ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሑ ጂቡታውያን ናብ ሃገሮም ይምለሱ

ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሑ ጂቡታውያን ናብ ሃገሮም ይምለሱ

Radio Erena: 12 August 2018

djibouti evacቁጽሪ ናይቶም ንከተማ ድሬዳዋን ከባቢኣን ገዲፎም ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ዘለዉ ጂቡታውያን በብዕለቱ ይውስኽ ከምዘሎ፣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

ምንጭታት ዜና ካብ ቆንስል ጂቡቲ ኣብ ድሬዳዋ ከምዝሓበርዎ፣ ዛጊት 2 ሽሕ ጂቡታውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ እንከለዉ፣ ገና ብቑጽሪ ሓያሎ ሰባት ከኣ ብቕጽበት ንክምለሱ ሓቲቶም ከምዘለዉ የመልክቱ።

ዝሓለፉ መዓልታት ኣብታ ከተማ ብዝተላዕለ ናዕቢን ሕንፍሽፍሽን፣ ሽዱሽተ ጂቡታውያን ክሞቱ እንከለዉ 15 ከኣ ከምዝቖሰሉ ይንገር። ካብቶም ሽዱሽተ ህይወቶም ዝሰኣኑ እቶም ሰለስተ ህጻናት ኮይኖም፣ ዝነበሩዎ ገዛ መንነቶም ብዘይተፈልጠ ሰባት ሓዊ ብምቅጻሉ እዮም ሞይቶም።

ካብ 2 ነሓሰ ጀሚሩ ዝተጎሃሃረ ናዕቢ ድሬዳዋ፣ ፈደራል ፖሊስ’ታ ሃገርን፣ ሰራዊትን ብሓባር ብዘካዪዱዎ ዘለዉ ጸጥታ ናይ ምኽባር መስርሕ፣ እታ ከተማ ኣብ ተዛማዲ ሰላም ትርከብ።

ብካልእ ወገን፣ ኣብ ጂቡቲ ዝነበሩ ሽዱሽተ ኢትዮጵያውያን መንነቶም ካብ ዘይተፈልጡ ሰባት ብዝወረዶም መጥቃዕቲ፣ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ፣ ኢትዮጵያ ኦብዘርቨር ኣመልኪቱ።

እቲ ፍጻሜ ሕነ ናይቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝሞቱ ሽዱሽተ ጂቡታውያን ንምዃኑ፣ ወይ’ውን ክልቲኡ ፍጻሜታት ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ንምዃኑ ካብ ክልቲኦም መንግስታት ዝተዋህበ መግለጺ የለን።

ሓያሎ ኣብ ዞባ ሶማሊ ናይ ጂቡቲ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ንህይወቶም ብምስጋእ፣ ኣብቲ ብብዝሒ ዓፋር ዝነብሩሉ ዞባ ጂቡቲ ይዕቆቡ ከምዘለዉ ይንገር።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0