ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ሓቲቶም ብዝርከቡ ህቡባት ኤርትራውያን ተዋሳእቲ ዝተዳለወት ሓዳስ ፊልም ንምርኢት ክትቀርብ’ያ

ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ሓቲቶም ብዝርከቡ ህቡባት ኤርትራውያን ተዋሳእቲ ዝተዳለወት ሓዳስ ፊልም ንምርኢት ክትቀርብ’ያ

Radio Erena: February 19, 2014

Fuad Al

ብምትሕብባር ዓርቢ ሓርነትን ኣብ ስደት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ህቡብት ኤርትራውያን ተዋሳእቲን ስነጥበበኛታትን ዝተዳለወት ‘ስዉእ ተዛሪቡ’ ዘርእስታ ሓዳስ ፊልም ኣብዚ ቀረባ እዋን ንምርኢት ክትቀርብ ምዃና ተሓቢሩ።

እዛ ኣብ ስደት ኣብ ኢትዮጵያ ብዝርከብ ህቡብ ተዋሳኣይ፣ ፋኣድ ኣልኣሚን ዝተኣልየትን ዝተደርሰትን ሓዳስ ናይ ትግርኛ ፊልም፣ ከም በዓል ሓምዛ ዓንደልቃድር፣ ሳምሶን ተወልደብርሃን፣ ሚኪኤል እምባየ፣ ሰምሃር ግርማይ፣ ሚኪኤል ምሕረትኣብን ሰሎሞን ፍቓዱን ዝኣመሰለኡ ስነጥበበኝእታት ዝተሳተፉዋ ኮይና፣ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ መከራን በደልን ብዓይኒ እቶም ምእንቲ ራህዋ ሃገርን ህዝብን ህይወቶም ዝኸፈሉ ስውኣት እትመዝን ንህሉው ኩነታ እትንጸባርቕ’ያ።

 

እታ ካብ ሳንሱር ናይ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍን ሚኒስትሪ ዜናን ናጻ ኮይና ንመጀመርያ እዋን ናብ ህዝቢ እትቐርብ ዘላ ናይ ኤርትራ ፊልም፣ ብዲቪዲ ተሓቲማ ናብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ክትዝርጋሕ ምዃና’ውን ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ይሕብር።

===============================

 

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0