ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ሩስያን ኣብ ሓያሎ ነጥብታት ዘተኮረ ዝርርብ ኣካይዶም

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ሩስያን ኣብ ሓያሎ ነጥብታት ዘተኮረ ዝርርብ ኣካይዶም

Radio Erena: February 17, 2014

Osman Lavrov

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማብን ሳልሕ፣ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ሎሚ ሰኑይ 17 ለካቲት ኣብ ሞስኮ ብምርኻብ ከምዝተዘራረበ ሬድዮ ድምጺ ሩስያ ሓቢራ።

ኣብቲ ርክብ፣ ክልቲኦም ሚኒስተራት ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎ ወፍር ብምዝርራብ ኣብ ዕደናን ካልእ ንግድን ቁጠባን ንምትሕግጋዝን ዘኽእል ሓባራዊ ስምምዕ’ውን ከቲሞም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ፣ ኣብቲ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተራኸበሉ ኣጋጣሚ፣ መርገጺ ሩስያ ኣብ ጉዳይ ሶርያ ደጊሙ ከምዘነጸረ’ውን ንሬድዮ ድምጺ ሩስያ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኢራን፣ ፋርስ ገሊጹ።

 

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኣ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ናብ ሩስያ ዑደት ብምክያድ ምስ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ዝዝርብ ከካይድ ዕድመ ከምዝቐረበሉ ምንጭታት ክጠቕሱ ጸኒሖም’ዮም።

ሩስያ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና፣ ተራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ጥራይ ምዃኑ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ እዋንዚ መንግስቲ ኤርትራ ስትራቴጂያዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዕደና ወፍሪ ከካይዳ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዘመተ የካይድ ምህላዉ ይግለጽ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ እገዳ ኣብ ዝወሰነሉ እዋን፣ ቀዋሚት ኣባል’ቲ ባይቶ ዝኾነት ሩስያ፣ እቲ እገዳ ቅድሚ ምትግባሩ ተወሳኺ መጽናዕቲ ክካየድ ኣለዎ ክትብል ሓሳብ ምቕራባ ይፍለጥ።

ካብ 2009 ኣትሒዙ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ንኽልዓል ሓያሎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ኣብ ምክያድ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዚ ብመንገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቢሉ ናብ ሩስያ ዘካየዶ ዑደት’ውን ሓደ ኣካል ናይቲ መስርሕ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝመርሖ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሩ ሙሴቬኒ ድሕሪ ምብጻሕ’ዩ፣ ናብ ሩስያ ኣምሪሑ።
=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0