ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሐ ኤርትራዊ፣ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ናብ ኔዘርላንድስ ተሰጋጊሩ

ስእሊ፤ ኣርካይቭ ኢንተርነት

Radio Erena:09 October 2022
ብምስግጋር ደቂ ሰብ ተኸሲሱ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሐ ኤርትራዊ፣ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ናብ ኔዘርላንድስ ተሰጋጊሩ።
እቲ ብወሊድ ዝፍለጥ ስሙ ተወልደ ጎይትኦም ከምዝበሃል ዝተነግረሉ ኤርትራዊ፣ ካብ 2014 ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ብጅምላ ስደተኛታት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ኣብ ምስግጋር ዘይሕጋዊ ተግባራት ተዋፊሩ ብምጽንሑ እዩ ኣብ ዝተረኽበሉ ተታሒዙ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ክሲ ተመስሪቱሉ።
ብመንገዲ’ዚ ወዲ 38 ዓመት ወሊድ ዝተሰጋገሩ ኤርትራውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን፣ ኣብ መዓስከራት ኣብ ዝዳጎኑሉ እዋን፣ ከቢድ ስቓይን መግረፍትን ዝርከቦ ኢሰብኣዊ ግፍዕታት ከምዝወረዶም ይንገር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ወሊድ፣ ኪዳነ ዘካሪያስ ሃብተማርያም ምስ ዝተባህለ ብጻዩ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ፣ ን18 ዓመታት ጽኑዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎ ኔሩ።
ምስኡ ተኸሲሱ ዝነበረ ኪዳነ ዘካርያስ፣ ናብ ቤት ፍርዲ እንዳተወስደ እንከሎ፣ ኣምሊጡ ብምስዋሩ፣ ዛጊት ሃለዋቱ ኣበይ ከምዘሎ ኣይፍለጥን።
ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስዮ፣ ስቓይን መግረፍትን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጥራይ ዘይኮነ፣ ንስድራቤት ግዳያት፣ ‘ኣምሳያ ክፈሉ’ ብዝብል እውን ብኣማኢት ኣሽሓት ገንዘብ ኣብ ትሕቲ’ዚ ክሱስ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሰባት ከምዝተፈጸመ፣ ካብ ዘ-ሄግ ዝተመሓላለፈ ዜና የመልክት። ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ እውን ኣብ ትሕቲ’ዚ ኣረሜናዊ ተግባራት እንከለዉ ከምዝሞቱ’ዩ ዝግለጽ።
ካብ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ነዘርላንድስ ዝወጸ መግለጺ ከምዘመልክቶ፣ እቲ ገበናዊ መርመራ ኣብ ልዕሊ ወሊድ፣ ብምትሕብባር ኢጣልያ፣ ዩሮፖል፣ ኢንተርፖልን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታትን እዩ ተኻዪዱ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0