ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጸውዐ ዘተ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ግብራውነቱ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ

Radio Erena:10 October 2022

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ዝጸውዖን ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ተቐባልነት ዝረኸበን ዘተ ሰላም፣ ግብራውነቱ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ ዲፕሎማሰኛታት የጠንቕቑ።

ንቀዳም 08 ጥቅምቲ ክካየድ ዝነበሮ ቀጥጣዊ ዝርርብ ክልቲኦም ወገናት፣ ዝተፈላለየ ሕቶታት ስለዘልዓለን ሓደ ካብ መንጎኛታት ናይቲ ርክብ ዝኾነ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር’ውን ከምዘይሳተፍ ስለዝገለጸን ተሰሪዙ’ዩ።

ኣብ ኣተሓሕዛ እቲ ጉዳይ ንጹር መብርሂ ዘይህብ ዘሎ ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ ብዛዕባ ምስራዝ ናይቲ ንቀዳም ክካየድ ዝተወጠነ ቀጥታዊ ዘተ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ይኹን ካልእ ዝራኸበሉ ናይ ዕለት ኣማራጺታት ኣይሓበረን።

ሓደ ካብ ሸምገልቲ ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ዝመደቦ ዘተ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ክኸውን ዝረቑሖ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፣ ከምዘይሳተፍ ምግላጹ፣ ንኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብዘይንጹር መርገጺን ፖሊሲን ሕዝዎ ከምዘሎ ዝውቐስ ሕብረት ኣፍሪቃ ተወሳኺ ብድሆ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፣ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝልኣኾ ወግዓዊ ደብዳቤ፣ ዘተ ሰላም ቅድሚ ምጅማሩ ከም ቶኽሲ ደው ምባልን ምቑራጽ ተጻብኦታትን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ስጉምታት ክትግበሩ ከምዘለዎም ኣዘኻኺሩ።

ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዝያዳ ምስ ኤርትራ ናብ ዘዋስን ከባቢታት ምዕራብን ሰሜንን ትግራይ ጻዕጺዑ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ብወገን ኤርትራ ብምስላፍን ብሰራዊት ኤርትራ እናተሓገዘን ናብ ሽረን ዓዲ ግራትን ዘተኮረ መጥቃዕታት የካይድ ምህላዉ ወትሃደራውያን ምንጭታት የመልክቱ።

ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብዘተ ንምፍታሕ ኣብ ዝብል ነጥብታት፣ ወከልቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ሰለስተ ግዜ ከምዝተራኸቡን እንተኾነ ዝኾነ ፍረ ከምዘይነበሮን፣ ሓደ ካብ ላዕለዎት መሪሕነት ሓይልታት ትግራይ፣ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ምስ ሄሪቴጅ ፋውንዴሽን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ ገሊጹ።

እቲ ሓደ ካብቲ ርክባት፣ ካብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዙ፣ ዳግም ኵናት ድሕሪ ምውልዑ፣ ብድፊኢት ኣመሪካ ኣብ ጂቡቲ ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ክልተ ግና መዓስን ኣበይን ምዃኑ ኣይተነጸረን።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0