ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቒቦም ዝጸንሑ 88 ኤርትራውያን ስደኛታት ናብ ኢጣልያ ተጣይሶም

ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቒቦም ዝጸንሑ 88 ኤርትራውያን ስደኛታት ናብ ኢጣልያ ተጣይሶም

Radio Erena: 01 March 2018

ethi_refugee campኣብ ኢትዮጵያ ተዓቒቦም ዝጸንሑ 88 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ከምዝተጣየሱ ሺንሁዋ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

እቶም ብሰኑይ 26 ለካቲት ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፋነዉ ኤርትራውያን፣ ኣካል ናይቲ ብመንግስቲ ኢጣልያ ተወሲዱ ዘሎ ኣስታት 500 ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ናይ ምጥያስ ተበግሶ’ዩ።

ብዘይካ እቶም ኤርትራውያን፣ 22 ዜጋታት ደቡብ ሱዳንን ሰለስተ ሶማላውያንን ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ናብ ኢጣልያ ከምዝተዋፋንው ዝሓበረ ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ፣ እቲ ናይ ኢጣልያ ተበግሶ ንስደተኛታት ተስፋ ዝህብ’ዩ ክብል ገሊጽዎ።

ኢጣልያ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2017፣ 25 ዜጋታት ኤርትራ፣ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ብተመሳሳሊ መስርሕ ካብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ከምዘጣየሰት ይዝከር።

ኢጣልያ፣ ካብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ስደተኛታት ንምጥያስ ተበግሶ ትወስድ ዘላ፣ ብሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ዝካየድ ዘሎ ሓደገኛ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ካብ ዝሓንጸጸቶ ዕላማታት ሓደ ንምትግባር ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ኢትዮጵያ በብእዋኑ ዝኣተዉ ኣስታት 110 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ተዓቝቦም እኳ እንተጸንሑ፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝካየድ መስርሕ ምጥያስ ብምድንጓዩ ግና፣ ብዙሓት ካብኣቶም ናብ ሱዳን ተመሊሶም ብመንገዲ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ከምዝሳገሙ ይፍለጥ።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0