ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ንዘሎ ጥሜት ዝውዕል 23 ሽሕ ቶን እኽሊ ዝጸዓነት መረክብ ካብ ዩክሬይን ተበጊሳ

Radio Erena: 16 August 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ኵናትን ደርቂን ተኸሲቱ ንዘሎ ከቢድ ናይ ጥሜት ሓደጋ ንምምካት ዝዓለመ ምዃኑ ዝተሓበረ፣ ኣስታት 23 ሽሕ ቶን ናይ ረዲኤት እኽሊ ዝጸዓነት መርከብ፣ ብ16 ነሓሰ ካብ ዩክሬይን ምብጋሳ ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።

እታ፣ ናይ ሊባኖስ ባንዴራ እተንበልብል፣ Brave Commander ዝተባህለት ናይ ጽዕነት መርከብ፣ ብ14 ነሓሰ፣ ካብ ወደብ ኦደስያ ናይ ዩክሬን ክትብገስ ተመዲቡ እኳ እንተነበረ፣ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ንክልተ መዓልታት ተደናጕያ ብምጽናሕ’ያ ሎሚ ናብ ወደብ ጂቡቲ ተበጊሳ።

ኣእካል ዝጸዓና መራኽብ፣ ካብ ወደባት ዩክሬይን ተበጊሰን ብዘይዕንቅፋት ብጸሊም ባሕሪ ክሓልፋ፣ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬይንን ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት’ዩ፣ እታ ብሕቡራት ሃገራት ዝተሸመተ ረዲኤት ዝጸዓነት መርከብ ተንቀሳቒሳ ዘላ።

ሩስያን ዩክሬንን፣ ብ22 ሓምለ ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝበጽሐኦ ስምምዕ መሰረት፣ ምስ ምጅማር ኵናት ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተቛርጹ ዝጸንሐ፣ ምግዕዓዝ ኣእካል ብጸሊም ባሕሪ ቀስ ብቀስ ናብ ንቡር ክምለስ ትጽቢት ብዙሓት ሃገራት’ዩ።

ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ መሰረታዊ ናይ መግቢ ኣእካል፣ ካብ ሩስያን ዩክሬይንን ከምዝሽምታ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0