ምርጫ ኬንያ፣ ምክትል ፕረዚደንት ተዓዊቱ

Radio Erena: 16 August 2022

ኣብ ኬንያ፣ ብ9 ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ምክትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፣ ብጸቢብ ተዓዊቱ።

ንሱ፣ 50.5% ናይ ድጋፍ ድምጺ ብምርካብ’ዩ፣ ኣውራ መቐናቕንቱ ኮይኑ ንዝቐረበን ናይ ነዊሕ እዋን ፖለቲከኛን፣ ራይላ ኦዲንጋ፣ ብጸቢብ መሪሑ፣ ነዚ ዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ፕረዚደንት ኬንያ ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ።

ኣብቲ ምርጫ፣ ምጥፍፋእ ተፈጺሙ ዝብል ክሲ ካብ ወገን ራይላ ኦዲንጋ ስለዝቐረበ፣ ወግዓዊ ምንጋር ምርጫ ኬንያ፣ ንሳልስቲ ተደናጕዩ ብምጽናሕ’ዩ፣ ብ15 ነሓሰ ዊልያም ሩቶ ከምዝተዓወተ ተሓቢሩ።

ሕጂ’ውን እንተኾነ፣ ዘይበርሀ ነገረ ከምዘሎ ዝጠቐሱ ኣርባዕተ ካብቶም ሸውዓተ ኣባላት ቦርድ ምርጫ፣ ኣብቲ ውጽኢት ዕቃበታት ከምዘለዎም ኣመልኪቶም ክብላ ማዕከናት ዜና ካብ ናይሮቢ ገሊጸን።

ወዲ 55 ዓመት ዊልያም ሩቶ፣ ንመጀመርያ እዋኑ ኣብ ምርጫ ተወዳዲሩ ክዕወት እንከሎ፣ ወዲ 77 ዓመት ራይላ ኦዲንጋ ድማ ሕጂ ንሓሙሻይ እዋኑ’ዩ ናብ ምርጫ ቀሪቡ።

ዊልያም ሩቶ፣ ነዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት፣ ምክትል ፕረዚደንት ኡሁሪ ኬንያታ እኳ እንተነበረ፣ እቲ ፕረዚደንት ግና ንተቓዋሚ ራይላ ኦዲንጋ ከምዝድግፍ ‘ዩ ገሊጹ።

መበል ሓሙሻይ ፕረዚደንት ኬንያ ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ፣ ዊልያም ሩቶ፣ ካብ ግዜ ፕረዚደንት ነበር ኣራፕ ሞይ ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለየ ትካላት መንግስቲ ብደረጃ ሚኒስተር ዝሰርሐ ኮይኑ፣ ምስ ዓበይቲ ኩባንያታትን ትካላትን ብምሽራሕ ዘይሕጋዊ ምምንዛዕ መሬት ዝርከቦ ብልሽውናን ምጥፍፋእን ከምዝፈጸመ ብተደጋጋሚ ተኸሲሱ’ዩ።

ኣብ 12 ታሕሳስ 1963፣ ካብ ብሪጣንያ ናጽነታ ዝኣወጀት ኬንያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 59 ዓመታት፣ ሓሙሽተ ፕረዚደንታት ክትርኢ እንከላ፣ እቲ ዝነውሐ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ነበረ ዳኒኤል ኣራብ ሞይ’ዩ።

ኣራፕ ሞይ፣ ካብ 1978 ክሳብ 2002፣ ን24 ዓመታት ፕረዚደንት ኬንያ ኔሩ።

=========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0