ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ትሽዓተ ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ትሽዓተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: April 17, 2014

ethio Bus attack

ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፣ ዞባ ቤንሻንጉል ጉምዝ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ህዝቢ እተመላለስ ኣውቶቡስ ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ ትሽዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ሬድዋን ሑሰን ብዛዕባ’ዚ ፍጻሜ ኣመልኪቱ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ መሰረት፣ እቲ ብ15 ለካቲት ኣብ ምዕራባዊ ኢትዮጵያ ዝተፈጸም መጥቃዕቲ መን ከምዝፈጸሞ ዛጊት ክንጸር ኣይከኣለን።

ዕላማ ናይቲ 28 ተጓዓዝቲ ጽዒና ናብ ከባቢ’ቲ ኢትዮጵያ እትንሃጾ ዘላ ዲጋ እተምርሕ ዝነበረት ኣውቶቡስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዛጊት ክፈልጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዓጠቑ ተቓወምቲ ቤንሻንጉል ዝፈጸምዎ ክኸውን ከምዝክእል’ዩ ዝንግረ።

 

ንኣስታት 17 ብረታዊ ተቓውሞ ከካይዱ ዝጸንሑ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ቤንሻንጉል ካብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዘካየድዎ ስምምዕ ብረቶም ከምዘውረዱ’ዩ ዝግለጽ።

ይኹን’መብር ኢትዮጵያ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ፣ ዲጋ ተሃድሶ ዝህነጸሉ ዘሎ ቦታ ብምዃኑ ጽኑዕ ሓለዋ ከምእተካይድ ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ሬድዋን ሑሰን ኣብቲ ትማሊ ዝሃቦ መግለጺ ኣይሓበን።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0