ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮምያ ተማሃሮ ዘልዓልዎ ተቃውሞ ናብ ሓያሎ ከባቢታት ይልሕም

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮምያ ተማሃሮ ዘልዓልዎ ተቃውሞ ናብ ሓያሎ ከባቢታት ይልሕም

Radio Erena: 09 December 2015

Oromo

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ብተማሃሮ ዝፈለመ ተቃውሞ ናብ ሓያሎ ኣብያተ ትምህርቲ እቲ ክልል ይልሕም ምህላዉ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ይገልጻ ኣለዋ።

እቲ ተቃውሞታት ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣምቦ ዩኒቨርሲቲን ቡሎ ሆራ፣ ባንቱ፣ ጨሊያን ካልኦት ዝርከቦ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን ኮሌጃትን ይካየድ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

ተወላዶ ኦሮሞ ዝኾኑ ተማሃሮ ክልል ኦሮምያ፣ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ እቲ ክልልን ኣዲስ ኣበባን ዘውጽኦ ናይ መሬት ውጥን ብምቕዋም ዘልዓልዎ ናዕቢ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ፖለቲካን መሰልን ሕቶታት ኣለዓዒሉ ይርከብ።

 

ኣብዚ ንኻልኣይ ሰሙኑ ኣቑጺሩ ዘሎ ተቓውሞ ተማሃሮ ተወላዶ ኦሮሞ፣ ብውሕዱ 3 ተማሃሮ ክቕተሉ እንከለዉ ሓያሎ ከኣ ቆሲሎም ኣለዉ።

ብዘይካ’ዚ’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ተማሃሮ ቀይዱ ምህላዎም ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ዝመጽእ ዘሎ ሓበሬታ የመልክት።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ናብ ካልኦት ከባቢታት ክልል ኦሮምያ እናለሓመ ዝመጽእ ዘሎ ናዕቢ ተማሃሮ ንምቁጽጻር፣ ተወሰኽቲ ሓይልታት ጸጥታ ኣዋፊሩ ይርከብ።

=======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0