ወኪል ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን፣ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብብዝሒ ናብ ስደት ዝሰጋገርሉ ዞባ ከሰላ ዑደት ኣካይዱ

ወኪል ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን፣ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብብዝሒ ናብ ስደት ዝሰጋገርሉ ዞባ ከሰላ ዑደት ኣካይዱ

Radio Erena: 09 December 2015

Kassala

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዞባ ከሰላ ሳዕሪሩ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ንሃገራት ምዕራብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን እዋን ኣሻቒልሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ወኪል ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ምስ ኣመሓደርቲ እቲ ዞባ ንምዝርራብ ናብ ከሰላ ዑደት ኣካይዱ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣብቲ ንዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣውራ መሰጋገሪ ኮይኑ ዘሎ ዞባ ከሰላን ዝፍጸም ዘሎ መሸጣ ደቂን ሰብን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ገበናትን ከምዘተሓሳሰቦ’ዩ ዝገልጽ፣ ኣብ ዞባ ከሰላ ዑደት ዘካየደ ወከልቲ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሱዳንን ኣባል ኮሚሽን ኣንጻር ምስግጋር ደቂ ሰብን፣ እስማዒል ዑመር ተራብ።

 

ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ ጃማ ኣደም ጃማ ብወገኑ፣ እቲ ዞባ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብን የካይዶ ምህላዉ ብምጥቃስ፣ ሓባራዊ ጻዕሪ ከምዘድሊ’ውን ኣገንዚቡ።

ኣቐዲሙ’ውን ወኪልቲ ሕብረት ኤውሮጳን ወኪል ብሪጣንያን ኣብቲ ዞባ ተመሳሳሊ ዑደት ምክያዱ ኣይርሳዕን።

ኣብ ዞባ ከሰላ ዝርከቡ ዕጡቓትን ሓደ ሓደ ኣባላት ጸጥታ መንግስትን ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተዋፊሮም ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ብምብራቕ ሱዳን ብፍላይ ከኣ ብመንገዲ ዞባ ከሰላ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ዓቐን ላዕሊ ብዝሒ ምስዓቡ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ነቲ ብሱዳን ዝፍልም ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣተኩሮ ክገብራሉ ተገዲደን ኣለዋ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0