ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ዝተጓሃሃረ ግጭት  ኣብ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዱ

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ዝተጓሃሃረ ግጭት ኣብ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዱ

Radio Erena: 14 September 2017

oromo_protestኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብዝተጓሃሃረ ግጭት ኣብ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት ከምዘውረደ ተገሊጹ።

እቲ ብዋንነት መሬት ካከይድ ዝጸንሐ ምስሕሓባት ኣብ መንጎ ክልትኤን ክልላት ንምፍታሕ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጻዕሪ የካይድ ከምዘሎ ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ ግዜ’ዩ እቲ ግጭት ተኻይዱ። 

በቲ ግጭት ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ ብልክዕ እኳ እንተዘይተረጋገጸ፣ ዓሰርተታት ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት ዓሰርተታት ከኣ ከምዝቖሰሉን ዝተፈላለዩ ወገናት የመልክቱ።

ኣብቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ እዋን ግጭታት ክካየድ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሚሊሻን ካልኦት ዕጡቓት እቲ ግጭት ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢታትን ብረቶም ከውርዱ የገድዶም ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ነቲ ዕጡቓት ክልል ሶማል ኣብ ልዕሊ ክልል ኦሮሞ ዘብጽሕዎ ዘለዉ ጉድኣት ንምግታእ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ፣ ዞባ ደደር ምክያዱ ምንጭታት ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

========================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0