ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ኣባል ሰልፍታት ኢህወደግ ተፈጢሩ ዘሎ ምፍሕፋሕ ናብ ዝለዓለ ጠርዙ የምርሕ

Radio Erena: 14 July 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ኣባል ሰልፍታት ኢህወደግ ተፈጢሩ ዘሎ ምፍሕፋሕ ናብ ዝለዓለ ጠርዙ የምርሕ ኣሎ።
ብ9 ሓምለ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተጋበአ ማእከላይ ሽማግለ ህወሓት፣ ናይዚ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝተፈጥረ ቅልውላው ቀንዲ ተሓታቲ ደሞክራስያዊ ፓርቲ ኣምሓራ (ኣ.ዴ.ፓ.) እዩ ክብል ከሲሱ።
ህወሓት ብተወሳኺ ኣ.ዴ.ፓ. ንዝፈጸሞም ገበናት ብቅሉዕ ናብ ህዝቢ ወጺኡ ይቕሬታ እንተዘይሓቲቱሉን ጌጋታቱ እንተዘይኣሪሙን፣ ምስቲ ውድብ ብሓባር ምስራሕ ከምዘይከኣሎ ኣፍሊጡ።
ህጹጽ ዋዕላ ህ.ወ.ሓ.ት. ቅትለት ናይቶም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሰበስልጣን መንግስትን ግቡእ መርመራ ክካየደሉ፣ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ. ከኣ ካብ መሰረታዊ ዕላምኡ ምስ ኣንደልሃጸ ንዝተፈጥረ ቅልውላው መኣረምታ ክገብር፣ ዝብሉን ካልእን ውሳኔታት ብምሕላፍ እዩ ተዛዚሙ።
ክልተ መዓልታት ድሕሪሩ ደሞክራስያዊ ፓርቲ ኣምሓራ ብፈጻሚት ሽማግለኡ ኣቢሉ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ነቲ ብህ.ወ.ሓ.ት. ዝተዋህበ መግለጺ ድሕሪ ምንጻግ፣ እቲ ውድብ ‘ኣንጻር ደሞክራሲን’ ‘ዘይሓላፍነታዊን’ ክብል ነቒፍዎ።
ኣ.ዴ.ፓ. ብተወሳኺ ‘ጭጉራፍ ባዕላ ነብሳ ሃሪማ ተእዊ’ ብምባል፣ ኩሉ’ቲ ጸጥታን ሓድነትን ህዝቢ ንምዝራግ ዝተኻየደ ፍጻሜታት ኢድ ህ.ወ.ሓ.ት. ኣለዎ ክብል ኮኒኑ። ህወሓት ብሰንኪ ሕመቑ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ብዘይምኻሉ ንዝተሰከሞ ፍሽለት፣ ንካልኦት ወገናት ብጥቃን ካብ ሓላፍነት ክሃድም ምፍታኑ ዝጸንሐ ሜላኡ እዩ ብምባል እቲ ውድብ ምላሽ ሂቡ።
ኣብ 2020 ሓፈሻዊ ምርጫ ንኸተካይድ ምድላዋት ትገብር ዘላ ኢትዮጵያ፣ ብኣርባዕተ ውድባ ናይ ልፍንቲ ፓርቲ ዝመስረተ ኢህወደግ፣ ኣብ ሓድሕዱ ክወቓቐስ ብምጅማሩ፣ ክገጥሞ ዝኽእል ብድሆ ቀሊል ከምዘይከውን ይግመት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0