ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዝተኻየደ ዝተፈላለየ ናዕብታት ብውሕዱ 11 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዝተኻየደ ዝተፈላለየ ናዕብታት ብውሕዱ 11 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 02 November 2017

ambo admaኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልላት ቤንሻንጉል ጉሙዝን ኦሮምያን፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዝተኻየደ ዝተፈላለየ ናዕብታት ብውሕዱ 11 ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብ ክልል ጉሙዝ ሸሞንተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ንሓላፊ ህዝባዊ ርክባት እቲ ክልል ብምጥቃስ ዝሓበረት ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር፣ ሸሞንተ ካልኦት ብኸቢድ ቆሲሎም ኣብ ሕክምና ከምዘለዉ ገሊጻ።

ብዘይካ’ዚ ካብቲ ናዕቢ ብምስጋእ ቁጽሩ ብልክዕ ዘይተፈልጠ ህዝቢ፣ ቤት ንብረቱ ብምርሕራሕ ሃዲሙ ኣሎ።

እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ተወላዶ ብሄራት ኣምሓራን ጉሙዝን ከም ዝተጎሃሃረ ዝገለጹ ካልኦት ምንጭታት ድማ፣ ብውሕዱ 80 ኣባይቲ ከምዝተቓጸለ የመልክቱ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ካብ ከተማ ናብ ከተማ ኣብ ዝሰጋገረሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ምብራቕ ወለጋ፣ ከባቢ ነቀምቴ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝተጓሃሃረ ናዕቢ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ።

እቲ ግጭት፣ ተወላዶ ኦሮሞ፣ ኣብ እዋን በዓል ኢሬቻ ቦምባ ንምፍንጃር ዝመጸዩ ንዝበልዎ፣ መንነቱ ዘይተነጸረ ሰብ ድሕሪ ምቕታሎም’ዩ ተጎሃሂሩ።

ኣብቲ ግጭት ሓያሎ ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ፣ ክልተ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይንን ካልእ ንብረትን’ውን ተቓጺሉ።

========================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0