ኣኼባ ናይቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝቖመ ኪዳን ሃገራት እስላም ኣብ ሪያድ ተኻይዱ

ኣኼባ ናይቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝቖመ ኪዳን ሃገራት እስላም ኣብ ሪያድ ተኻይዱ

Radio Erena: 02 November 2017

Alliance

ካብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጅቡትን ሱዳንን ጥራይ ዝተሳተፍኦ ኣኼባ ናይቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝቖመ ኪዳን ሃገራት እስላም ኣብ ሪያድ ተኻይዱ።ኣብቲ ንህሉው ኩነታት የመን

ንምግምጋም ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝተኸፍተ ኣኼባ፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ናይተን ብስዑዲ ዝቖመ ልፍንቲ ዝመስረታ ሃገራት ይሳተፉ ምህላዎም ዝሓበረት ጋዜጣ ሳውዲ፣ ኣምባሳደራትን ወከልቲ ኣህጉራውያን ትካላትን’ውን ከምዝተረኽቡ ገሊጻ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ዓድል ኣል ጁቤር ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ኢራን ንዕጡቓት ሑቲ ንሚሊሻታት ናይቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት የመን ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕን ንምድጋፍ ሕጂ’ውን ኣጽዋር ተሰጋግር ከምዘላ ወቒሱ።

ኣብ የመን ነባሪ ፍታሕ ከይመጽእ ኢራን እታ ኣውራ ጠንቂ’ያ ዝበለ እቲ ሚኒስተር፣ ስዑዲ ዓረብ ዝመራሒተን ሃገራት ልፍንቲ ከኣ ነቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ጉዳይ የመን ዘሕለፎ ውሳኔ ብዝድግፍ መልክዕ ኣብ የመን ይዋስኣ ምህላወን ኣገንዚቡ።

ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ስዑዲ ዓረብ ጀነራል ዓብዱል ራሕማን ቢን ሳልሕ ኣል ቡናያ ብወገኑ፣ ሓይልታት ልፍንቲ ን85 ሚእታዊት ክፋል የመን ተቖጻጺሮም ከምዘለዉ ኣመልኪቱ።

ይኹን’ምበር ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ካብዚ ስዑዳዊ ጀነራል ዝገለጾ ዝተፈልየ ምዃኑ ወተሃደራውያን ተንንተንቲ እቲ ዞባ የረድኡ።

ኣብዚ ናይ ሪያድ ኣኼባ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ የመን፣ ባሕረይን፣ ዮርዳኖስ፣ ሰኔጋል፣ ኩዌት፣ ሞሮኮ፣ ማሊዥያን ፓኪስታንን ተሳቲፈን።

ኤርትራ፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ኣብ የመን ንፍጽምኦ ዘለዋ ወትሃደራዊ ምትእትታው ከምእትድግፍ ብወግዒ እኳ እንተገለጸት፣ ኣባል እዚ ብስዑዲ ዓረብ ዝቖመ ኪዳን ሃገራት እስላም ምዃና ግና ኣየነጸረትን።

ሕቡራት ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን ኣብ የመን ንዘካይድኦ ዘለዋ ወተሃደራዊ መጥቃዕታት፣ ኤርትራ ንክሊ ኣየራ፣ ባሕራን መሬታን ክጥቀማ ከምዘፍቀደት ይፍለጥ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0