ኣብ ኢትዮጵያ፣ ምዕራብ ኦሮምያ ኣብ ዝተወልዐ ግጭት ብውሕዱ ሸውዓተ ፖሊስ ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ተቀቲሎም

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ምዕራብ ኦሮምያ ኣብ ዝተወልዐ ግጭት ብውሕዱ ሸውዓተ ፖሊስ ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ተቀቲሎም

Radio Erena: 18 February 2016

Arsi Or

ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ፣ ከባቢ ኣርሲ ዳግም ብዝተጓሃረ ግጭት ብውሕዱ ሸውዓተ ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

እቲ ግጭት ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዞባ ኦሮምያ ዝተጓሃሃረ ናዕቢ ምዃኑ’ዮም ዘመልክቱ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብ ኢትዮጵያ።

ነዚ ዘረጋገጸት ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ’ውን፣ ሸውዓተ ኣባላት ፖሊስ ክቕተሉ እንከለዉ፣ ብዝሒ ናይቶም ኣብቲ ግጭት ዝተሳተፉ ዕጡቃት እቲ ዞባ ግና ክፍለጥ ከምዘይክኣለ ጠቒሳ።

ኣብቲ ብሰኑይ ኣብ ዞባ ኣርሲ ደጊሙ ዝተወልዐ ግጭት፣ ህዝቢ ንሓያሎ ትካላት መንግስቲ ከምዘቓጸለ’ውን ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ።

 

ሚኒስተር ዜና ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ’ውን ኣብቲ ግጭት ብዘይካ ትካላት መንግስቲ፣ ሃይማኖታዊ ትካላት፣ ጣሻታትን ካልእ ንብረትን ከምዝዓነወ ተኣሚኑ።

ጠንቒ’ቲ ኣብ ዞባ ኣርሲ ብፍላይ ከኣ ከባቢታት ሻላ፣ ሲራሮን ሻሸመኔን ዝተወልዐ ግጭት፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከይድረፍ ዝተኸልከል ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዘለዎ ደርፊ ኦሮሞ ኣብ ሓደ መርዓ ድሕሪ ምድራፉ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኣባላት ፖሊስ፣ እታ ደርፊ ክትቋረጽን ነታ ደርፊ ዝወልዑ ሰባት ከኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትዉን ኣብ ዝተተንሉ እዋን ህዝቢ ኣንጻሮም ከምዝተላዕለን፣ ብረት ዝነበሮም ተወልድቲ እቲ ብሄር ከኣ ተዅሲ ብምኽፋት ሸውዓተ ካብ ኣባላት ፖሊስ ከምዝቐተሉን ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብቲ ቦታ ይሕብሩ።

እዚ ኣብ ዞባ ኣርሲ ዝተራእየ ፍጻሜ፣ ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ሃዲኡ ዝርከብ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝቐጸል ተቓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ ገና ተደጕሉ ከምዘሎ ዘረድእ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

ህዝቢ ኦሮሞ፣ ብመንግስቲ ንዝወጸ ንኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝምልከት ሓድሽ ማስተር ፕላን ንምቅዋም ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝጀምሮ ናዕብን ዕግርግርን ብውሕዱ 140 ሰባት ከምዝተቐትሉ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን እቲ ግጭት ናብ ኩሉ ክልል ኦሮምያ እናልሓመ ድሕሪ ምምጽኡ፣ ነቲ ማስተር ፕላን ከምዝሰረዞ ብወግዒ ኣፍሊጡ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0