ኣርባዕተ ኣባላት ፓርላማ ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ ዑደት ድሕሪ ምክያዶም ዘቕርብዎ ዘለዉ ጸብጻባት ይንቀፍ

ኣርባዕተ ኣባላት ፓርላማ ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ ዑደት ድሕሪ ምክያዶም ዘቕርብዎ ዘለዉ ጸብጻባት ይንቀፍ

Radio Erena: 17 February 2016

swiss mp

ኣርባዕተ ኣባላት ፓርላማ ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ ዑደት ድሕሪ ምክያዶም፣ ዘቕርብዎ ዘለዉ ዘለዎ ጸብጻባት ብትሪ ይንቀፍን ተቓውሞ ከኣ ይገጥሞም ምህላዉ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብታ ሃገር የመልክቱ።

እቶም ዝሓለፈ ሰሙን በብውልቆም ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ዝፈጸሙ፣ ኣባላት የመናውያን ሰልፍታት ዝኾኑ ኣርባዕተ ፖለቲከኛታት፣ ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ ተመሳሳሊ ጸብጻብ፣ ብዛዕባ ኤርትራ ብማዕከናት ዜና ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ ምስቲ ብኣካል ዝተዓዘብዎ ዘይመሳሰል ምዃኑ’ዮም ዝጠቕሱ።

ንሳቶም፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ኣብ ዝነጽሕሉ እዋን ዝኾነ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላ ከምዘይትዓዘቡን፣ ህዝቢ እታ ሃገር ንብሩ ስርሑ ብዘይዝኾነ ጸገም ከምዘሰላልስልን’ዮም ኣብ ጸብጻቦም ኣስፊሮም።

 

ብዘይካ’ዚ’ውን፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ 2016 ኣትሒዙ ናይ ደሞዝ ወሰኽ ጌሩ ከምዘሎን መንእሰያት ኣብ ዓዶም ሰሪሖም እኹል እቶት ክረኽቡ ከምዝኽእሉን ከረድኡ ፈቲኖም።

ሓደ ካብቶም ናብ ኤርትራ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ምብጻሕ ዝፈጸሙ ፖለቲከኛታት፣ ክሉድ ቤልጅ ኣብ ዘዳልዎ 22 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ፣ ኤርትራ ምስ ሰሜን ኮርያ ከምዘይትመሳሰል ብምጥቃስ፣ በዚ ሓድሽ ወሰኽ ደሞዝ ከኣ ተራ መኮንናት ኣባላት ሰራዊት 2900 ናቕፋ፣ መማህራን 3500 ፣ ናይ ዩኒቨርስቲ መማህራን 4000፣ መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ብ ዕደና ቢሻ ከኣ ክሳብ 6000 ሽሕ ናቕፋ ይኽፈሉ ምህላዎም’ዩ ዝገልጽ።

እዞም ብዕድመ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ዝፈጸሙ ኣርባዕተ ፖለቲከኛታት ስዊዘርላንድ፣ ዕላማ ዑደቶም ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ፖለቲካዊ ይኩን ቁጠባዊ ጸገም ከምዘየለ ብምርግጋጽ ኤርትራውውያን ስደተኛታት ናብ ዓዶም ዝምለስሉ መንገዲ ንምንዳይ’ዩ።

ንሳቶም፣ ኣብቲ ናይ ኤርትራ ዑደቶም ምስ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማን ገብርኣብ፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፣ ሚኒስተር ጥዕና ወይዘሮ ኣሚና ንርሑሰን፣ ኣምባሳደራት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ሓለፍቲ ኣህጉራውያን ውድባትን ትካላትን ከምዝተዘራረቡ ኣብ ጸብጻባቶም ይጠቕሱ።

እዚ በብውልቆም ዝወሰድዎ ተበግሶ ከኣ ንብዙሕ ጉዳያት ዝጎሰየን ናይ መንግስቲ ኤርትራ ወገን ጥራይ ዝሸፈነን ብዝብል ክፍሊ ኢምግሬሽ ስዊዘርላንድ፣ ሚኒስትሪ ፍትሒን ካልኦት ካብ ጸጋማውያን ሰልፍታት ዝኾኑ ፖለቲከኛታትን ተሪር ነቐፌታ ይገጥሞ ኣሎ።

=============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0