ኣብ ቻድ ተታሒዞም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምስግጋሮም ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ

ኣብ ቻድ ተታሒዞም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምስግጋሮም ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 09 February 2015

chaderi

ናብ ሊብያ እናምርሑ፣ ኣብ ዶብ ሱዳንን ቻድን ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምስግጋሮም ጻዕርታት ይካየድ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ካርቱም ሓቢሮም።

እቶም ቁጽሮም ዘይተሓበረ ብምሉኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሱዳን ተበጊሶም ብዶብ ቻድ ኣቢሎም ናብ ሊብያ ንምስጋር ኣብ ዝጎዓዝሉ ዝነበሩ እዋን ብሓለዋ ዶባት እታ ሃገር ከምዝተታሕዙ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከረጋግጽ ክኢሉ’ዩ።

 

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ነቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ቻድ ፖለቲካዊ ዑቕባ ክወሃቦም እኳ እንተሓተተ መንግስቲ እታ ሃገር ግና ብመንገዲ’ቲ ዝመጽሉ ኣቢሉ ናብ ዓዶም ክመልሶም ምዃኖም ከምዝገለጸ’ዩ ክሕበር ጸኒሑ።

ይኹን’ምበር ኣብ ካርቱም ንዝርከቡ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ብዝሃብዎ ሓበሬታ፣ እቶም 10ታት ስደተኛታት ናብ ሱዳን ወይ ደቡብ ሱዳን ንምስግጋሮም ጻዕርታት ይካየድ ምህላዉ ኣተንቢሆም።

ኣብ ሊብያ ብዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ካብ ሱዳን ናይ ዝብገሱ ስደተኛታት ቁጽሪ ክውሕድ ይክእል’ዩ ዝብል ግምታት ሃገራት ኤውሮጳ እኳ እንተሎ፣ ካብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናብ ሊብያ ናይ ዝብገሱ ዘለዉ ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዛጊት ክጎድል ከምዘይክኣለ’ዩ ዝጥቐስ።

እቲ ኣብ ሲናይ ዝፍጸም ዝነበረ ምጭዋይ ስደተኛታት ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ በረኻታት ቻድን ሊብያን ዛዝዩ ይርአ ምህላዉ በብእዋኑ ክጠቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ብመንገዲ ሰሃራ ናብ እስራኤል ዝግበር ዝነበረ ጉዕዞ ስደት ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ዜሮ ወሪዱ ምህላዉ መንግስቲ እስራኤል ምግላጹ ኣይርሳዕን።
=============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0