ኢትዮጵያ ብዝሑ ዘይተፈልጠ ሰራዊት ናብ ደቡብ ሱዳን ክትልእኽ’ያ

ኢትዮጵያ ብዝሑ ዘይተፈልጠ ሰራዊት ናብ ደቡብ ሱዳን ክትልእኽ’ያ

Radio Erena: 09 February 2015

ethioPe

ኢትዮጵያ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሱዳን ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊታ፣ ናብ ደቡብ ሱዳን’ውን ተወሳኺ ሰራዊት ክትልእክ ምዃና ተገሊጹ።

እቲ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝዋፈር ሰራዊት ብዝሑ እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ምስቲ ሰራዊት ሰለስተ ሄሊኮፕተራት ኵናት ክምደባ ምዃነን ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያ ምግላጹ ሱዳን ትሪቡን ጠቒሱ።

ኢትዮጵያ፣ ናብ ሶማል፣ ደቡብ ሱዳንን ዞባ ኣብየየን ብድምር 600 ተወሰኽቲ ወትሃደራት ንምልኣኽ ምውሳና ከተረጋግጽ እንከላ፣ ካብዚ ብዝሒ’ዚ ክንደይ ዝኣክል’ዩ ናብ ደቡብ ሱዳን ክዋፈረ ግና ኣየነጸረትን።

 

መራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማሻር፣ ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ሱዳን ሰራዊታ ክትልእኽ ምውሳና ተቓውሞ ከምዘይብሉ ብምርግጋጽ፣ እቲ ዝዋፈር ሰራዊት ግና ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ዓቃብ ሰላም ክመሓደር ከምዘለዎ ኣጠንቒቑ።

ንሱ ንሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን እትልእኮ ሰራዊት ኣካል ዓቃብ ሰላም ጥራይ እንተኾይኑ ተቐባልነት ከምዝህልዎ ብምዝኽኻር፣ ‘ካብዚ ወጻኢ እንተኾይኑ ካልእ ጉዳይ’ዩ’ ክብል ገሊጹ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ነቲ ብፕረዚደንት ሳልቫኪር ዝምራሕ መንግስቲ ንምድጋፍ ኡጋንዳ ናብታ ሃገር ሰራዊታ ልኢኻ ከምዘላ ዝፍለጥ’ዩ።

ቻይና’ውን ኣብ ምሕላው ዓበይቲ ኩባንያ ዕደናን ትካላት መንግስትን ዝዋፈር ኣስታት 700 ኣጋር ሰራዊት ናብ ደቡብ ሱዳን ልኢኻ’ያ።

ኢትዮጵያ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ከም ኣካል ዓቃብ ሰላም ብሰለስተ ናይ ኵናት ሄሊኮፕተራት ዝተዓጀበ ቁጽሩ ዘይተፈልጠ ሰራዊት ናብ ደቡብ ሱዳን ከተዋፍር’ያ።

ኢትዮጵያ ብዘይካ’ቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ሶማል ኣዋፊራቶ እትርከብ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት፣ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ሶማል፣ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝተዋፈረ ብድምር ልዕሊ 12 ሽሕ ሰራዊት ምልኣኻ’ዩ ዝግለጽ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0