ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣስታት 25 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ረዳኢ ዝሰኣኑ ግዳያት ጥሜትን ካልእ ሕሰምን ኮይኖም ምህላዎም ተገሊጹ

Radio Erena: 15 October 2021

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣስታት 25 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ረዳኢ ዝሰኣኑ ግዳያት ጥሜትን ካልእ ሕሰምን ኮይኖም ምህላዎም፣ ካብቲ መዓስከራት ሃዲሞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ ወገናቶም ገሊጾም።

ልዕሊ ሓደ ሰሙን ዝወሰደ፣ ሂወቶም ንምድሓን ኣድካምን ሓደገኛ ናይ እግሪ ገይሮም ንክልል ኣምሓራን ከተማ ኣዲስ ኣበባን ዝኣተዉ፣ ኣብ ክሊ ዕድመ 17 ክሳብ 23 ዓመት ዝኾኑ፣ ሸሞንተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝሃበዎ ቃል መሰረት፣ ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን፣ ቆልዑ፣ ደቂንስትዮን ኣረጋውያንን ዘለውዎም ልዕሊ 25 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምህላዎም ብምዝኽኻር፣ ገጢምዎም ዘሎ ከቢድ ጸገማት፣ ብሰንኪ ምቁራጽ መራኸቢታት ከም’ቲ ዝድለ ክቃላሕ ዘይምኻኣሉ ከምዘሕዘኖም ኮሚተ ተሓለቕትን ወደብትን ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ገሊጾም።

ኣብ’ዚ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ፣ ጥሜትን ዓጸቦን ኣንጸላልዩሉ ዘሎ እዋን፣ ብሰንኪ ስእነት መግብን ዝስተ ማይን፣ ህጻናት ዝርከብዎም ኤርትራውያን ህይወቶም ይስእኑ ምህላኦውም ኣመልኪቶም።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዓዲልዮ ተሃቢሉ ዝተነግረሉ ረዲኤት፣ 3ኪሎ ስርናይ ንሓደ ሰብ፣ ርብዒ ሊትሮ ናይ መግቢ ዘይቲ ንሓደ ሰብ፣ ሓንቲ ሓባ ሳሙና ንሓደ ሰብ፣ 12.5 ኪሎ ሽኮር ን 50 ሰባት ኮይኑ፣ ን30 መዓልታት ተባሂሉ ዝተዓደሎም’ዩ።

እቲ ዝተዓደለ መግቢ እኹል ኣብ ርእሰ ዘይምዃኑ፣ ዕጡቓት ናብ ውሽጢ ‘ቲ መዓስከር እናኣተዉ፣ ንብረትን ረዲኤትን ናይቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ክዘምቱ ከምዝርአ’ውን ኮሚተን ወደብትን ሰለማዊ ሰልፊ ነቶም መንእሰያት ብምጥቃስ ኣተሓሳሲቦም።

ብሰንኪ’ቲ ኣጋጥሙ ዘሎ ዋሕዲ መሰረታዊ መግብታትን ሕክምናን፣ ሕዱር ሕማም ዘለዎም፣ ነፍሰጾር ኣዴታትን ዕሸላትን ናይ ኣእምሮ ጸገማትን ሞትን የስዕበሎም ከምዘሎ ‘ውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ በተወሳኺ ኣገንዚቡ።

ሰኣን ሕክምና፣ ኣብ እዋን ሕርሲ፣ ብዙሕ ደም ፈሲሱወን ምስ ዕሸላተን ዝሞታ ኣዴታት ከምዘለዋ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፣ ተኽሊት ዝተባህለ፣ ሕማም ምንፍርፋር (Epilepsy) ዝሳቐ ዝነበረ መንእሰይ ድማ፣ መድሃኒታቱ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ፣ ግዳይ ሕማም ኣእምሮ ኮይኑ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዱ ሓሩሽን ዝርከቡ ኣስታት 25 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ እቶም ቀንዲ ግዳያት እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ኮይኖም ስለዘለዉ፣ ህጹጽ ረዲኤት ክበጽሖም ናብ ውሑስ ቦት ንምስግጋሮም ድማ ንሰብኣዊ ምኽንያት መንገድታት ክኽፈተሎምን ኮሚተ ተሓለቕትን ወደብትን ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ተላብዮም።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0