ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ብወትሃደራዊ ጉጅለ ንዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ንዝነቐፉ ፖለከኛታት ካብ ሃገር ከይወጹ ከልኪሎም ተባሂሉ

Radio Erena: 15 October 2021

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ብወትሃደራውያን መኮንናት ንምዝራሕ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ንዝቓወሙ ፖለቲከኛታት፣ ካብታ ሃገር ክወጹ ከምዝኸልከሉ ሮይተርስ ካብ ካርቱም ገሊጹ።

ክልተ ላዕለዋይ ሓለፍቲ ናይቲ ብሲቪል ዝተወከለ መሰጋገሪ መንግስቲ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ብውሕዱ 11 ሲቪል ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲ፣ ካብ ሃገር ከይወጹ እገዳ ከምዝተነብረሎም ጠቒሶም።

ሓደ ካብቶም ተኣጊዱ ዝበሃል ዘሎ ፖለቲከኛታት ሱዳን፣ መሓመድ ፋኪ ኮይኑ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 21 መስከረም ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ፣ ‘መሰጋገሪ መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ’ ስልጣኑ ንምንዋሕ ስልጣኑ ከም ምርቓ ይጥቐመሉ ምህላዉ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝወቐሰ’ዩ።

መሓመድ ፋኪ፣ ነቲ ሲቪላዊ ወገን ዝወከለ ኣባል ሉኣላዊ ቤት ምክሪ ሱዳን’ዩ።

ነቲ እገዳ ኣተጊቢሩ ዝተባህለ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሱዳን፣ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ንጥፈታቱ መሰጋገሪ ቅዋም እታ ሃገር ብዘፍቕዶ መሰረት የካይድ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ንዝኾነ ፖለቲከኛት ከምዘይኣገደ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፣ እቲ ናይ 21 መስከረም ፈተነ ዕልዋ፣ መስርሕ ናብ ምስግጋር ደሞክራሲ ንምትዕንቓፍ፣ ደገፍቲ ስርዓት በሺር ብዝኾኑ ወትሃደራውያን መኮንናት ዝተኻየደ’ዩ ክብል ከምዝወቐሶ ይዝከር።

ብመሰረት ዝተብጽሐ ስምምዕ ምቛም ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ብወትሃደራዊ ጉጅለ ዝምራሕ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ስልጣኑ ናብቲ ሲቪላዊ ወገን ከሰጋገር ዝግደድ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ጉጅለ ዕንቕፋታት ክፈጥር ከምዝኽእል ብሓያሎ ወገናት ግምታት ኣሎ።

ሱዳን፣ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ምስግጋር ናብ ደሞክራሲ ብወትሃደራዊ ጉጅለ ዕንቅፋት እንተገጢምዎ፣ እታ ሃገር ዳግም ናብ ናይ ቁጠባ፣ ዲፕሎማሲን ፖለቲካን ተነጽሎ ክትወድቕ ምዃና ተንተንቲ የርድኡ።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0