‘ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፣ ዝጠፍእ ዘሎ ህይወትን ፈጢሩዎ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ’ዩ’: ኣንቶኒ ብሊንከን

Radio Erena: 16 October 2022

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፣ ዝጠፍእ ዘሎ ህይወትን ፈጢሩዎ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ’ዩ ብምባል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ገሊጻ።
ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ፣ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ኤርትራን፣ ዝገብርዎ ዘለዉ ዝተወሃሃደ መጥቃዕታት ደው ከብሉ፣ ሓይልታት ትግራይ ከኣ ንኲናት ዘለዓዕል ምትንዃል ደው ከብሉ ጸዊዑ።
ኣቐድም ኣቢሉ ማርቲን ግሪፊዝ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ከተማ ሽረ ዝርከቡ ኣባላት ትካላት ረዲኤት ብድሕነቶም ኣዝዩ ከምዝሻቐልን፣ ኣብ ሽረ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ከቢድ ብረት፣ ክልተ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ከምዝቖሰሉን ምግላጹ ይዝከር።
ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዘይወዓል ሕደር ክስሕብ፣ ሓይልታት ትግራይ ከኣ ነቲ ዳግማይ ኲናት ከምዝውላዕ ዝገበረ ፍጻሜ ከተማ ቆቦ ካብ ምድጋም ክቑጠቡ ጸዊዑ።
ኣመሪካ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ንሰላም ዝጽዕቱ ዘለዉ ወገናትን ብቀረባ ትሰርሕ ኣላ ብምባል ብሊንከን፣ ክልቲኦም ወገናት ናብ መኣዲ ዘተ ዝመጹሉ መንገዲ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክርከብ ምዃኑ ገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0