“ኣብ ትግራይ፣ ህጹጽ ሓገዝ ክበጽሕ እንተዘይክኢሉ፣ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ብጥሜት ክሞቱ’ዮም።”

Radio Erena: 18 January 2021

ኣብ ትግራይ፣ ህጹጽ ሓገዝ ክበጽሕ እንተዘይክእሉ፣ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ብጥሜት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ንግዝያዊ ኣማሓዳሪ ናይቲ ክልል ብምጥቃስ ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ትካላት ረዲኤት ምስ ወከልቲ ናይቲ ክልል ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፣ ብሰንኪ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ኣስታት 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ወይ ዳርጋ ህዝቢ ትግራይ ብምሉኡ ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዑ ከምዘሎ’ዩ ተመልኪቱ።

ብፍላይ ቆልዑ ብጥሜትን ዓጾቦን ተሰኒፎም ከምዝርኣዩ ዝሓበረ ጸብጻብ ኣሶሸትድ ፕረስ፣ ዝሞቱ ከምዘለዉ’ውን ኣስሚርሉ።

ሰራዊት ኢትዮጵያን ብሰራዊት ኤርትራ ተደጊፉ ኣብ ትግራይ ዝኸፈትዎ ኵናት፣ ህወሓት ንምእላን ሕግን ስርዓትን ንምኽባርን ዝብል ስም እኳ እንተተዋህቦ፣ ክልል ትግራይ ልዕሉ ዝኾነ ይኹን እዋን ሕጊን ስርዓትን ፈሪሱ፣ ኣብያተ ሸቐጥን ትካላት ወሃብቲ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ተዘሚቱ’ዩ ዝርከብ።

ኣብ ርእሲ’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ክልል ትግራይ ህጹጽ ረዲኤት ከይኣቱ ስለዝኸልከለ፣ እቲ ኩነታት መሊሱ ብኢሱ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ፣ ንህዝቢ ትግራይ፣ ህጹጽ ረዲኤት ከይረክብ ብምኽልካል፣ ጂሆ ብምሓዝ ከምበርክኾ ይጽዕር ከምዘሎ ዝወቕሱ ሓያሎ ወገናት፣ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ጸቕጢ ክግበር ይጽውዑ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ነቲ ተሸላሚ ናይ ሰላም ኖቤል ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ንገዛእ ህዝቡ ረዲኤት ክበጽሖ ክፈቅድ ብምጽዋዕ፣ ናብ ክልል ትግራይ ህጹጽ ረዲኤት ምእታው ክሳብ ዝፍቀድ፣ ነቲ መንግስቲ ዝወጠኖ ናይ ልዕሊ 80 ሚልዮን ኤውሮ ፊናንስያዊ ሓገዝ ደው ከብሎ ምውሳኑ ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ብሰንኪ’ዚ ኣብ ክልል ትግራይ ዝኣወጆ ኵናት፣ ኣብታ ሃገር ኣብ 1974፣ 1977 ከምኡ ድማ 1984 ዝተራእዩ ከብድቲ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ይደግም ምህላዉ ብዙሓት ይወቕሱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0