ሱዳን፣ ኣብ ዞባ ዳርፉር ኣብ ዝተጎሃሃረ ግጭት 84 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 18 January 2021

ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ዳርፉር፣ ኣብ መንጎ ኣዕራብን ጸለምቲ ደቀባትን ብዝተጎሃሃረ ግጭት ብውሕዱ 84 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢሩ።

እቲ ብቀዳም 16 ጥሪ፣ ኣብ ምዕራባዊ ዳርፉር፣ ኣብ እትርከብ ከተማ ኤል ጀነይና፣ ዝተወልዐ ግጭት፣ ኣብ መንጎ ክልተ ሰባት ኣብ ዝተላዕለ ውልቃዊ ባእሲ፣ እቲ ሓደ ድሕሪ ምሟቲ’ዩ ተጎሃሂሩ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብቲ ዞባ፣ ሰዓታት እቶ እቶ ድሕሪ ምእዋጁ፣ ልኡኽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ መፍትሒታት ንምንዳይ ኣብታ ከተማ ይርከብ።

ኣብ ዳርፉር፣ ካብ 2003 ኣትሒዙ፣ ኣብ መንጎ ኣዕራብ ሚሊሻን ጸለምቲ ደቀባትን ኣብ ዝተወልዐ ግጭት፣ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ።

ዓቃብ ሰላም ሰራዊት፣ ካብ 2007 ኣትሒዙ፣ ኣብቲ ዞባ ተዋፊሩ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ድሕሪ 13 ዓመታት ካብቲ ዞባ ከምዝወጸ ይፍለጥ።

እዚ ብቀዳም ዝተወልዐ ግጭት፣ መንግስቲ ሱዳን፣ ናይ ምርግጋእን ጸጥታን ሓላፍነት ዞባ ዳርፉር ካብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምርካቡ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ’ዩ ተወሊዑ።

እቲ ግጭት ኣብዚ እዋን’ዚ ሃዲኡ እኳ እንተሎ፣ ወጥርን ምትፍናንን ግና ኣይዘሓለን።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0