‘ኣብ ትሕቲ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እትርከብ ኢራን፣ ናብ ኢትዮጵያ ድሮን ልኢኻ።’ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ

Radio Erena: 19 October 2022

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክረምቲ 2021 ካብ ኢራን ሰብ ኣልቦ በረርቲ ወይ ድሮን ከምዝሸመተት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣቃሊዑ።

እቲ ክፍሊ፣ ብሰሉስ 18 ጥቅምቲ፣ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኢራን ነቲ ብ ‘ውሳኔ 2231’ ዝፍለጥ፣ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ እገዳ ብምጥሓስ’ያ ናብ ኢትዮጵያ ድሮን ልኢኽ ክብል ወቒሱ።

ኢራን ነቲ ኣብ ልዕሊ ዝተነብረ እገድ ብምጥቃስ ናብ ኢትዮጵያ ድሮን ምልኣኻ፣ ኣመሪካ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ወግዓዊ ደብዳቤ ከምዝልኣኸት፣ ኣፈኛ ናይቲ ክፍሊ ቬዳት ፓተል ኣመልኪቱ።

ኣብ 2020 ዳግማይ ኣብ ዝተዋህበ ውሳኔ ባይቶ ጸጥታ፣ ኢራን እተፍርዮ ዘላ ኑክሌር ዝፈጠሮ ምስሕሓብ ብዘተ ክሳብ ዝፍታሕ፣ እታ ሃገር ክሳብ መወዳእት 2023 ወትሃደራዊን ቴክኖሎጂያዊን ንዋት ከይትሸይጥ፣ ከይትልእኽን ከይተሰጋግርን ዝኽልክል እገዳ ተነቢሩላ ኣሎ።

ይኹን’ምበር ኢራን ናብ ኢትዮጵያ ዝልኣኸትን፣ ሞሃጂር -6 (Mohajer-6) ዝተሰምያ ድሮን፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ከምዝተሳተፋ ክሲ ቀሪቡ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቱርኪን ዘምጽአን ድሮን ‘ውን ከምዘሳተፈ ክውቀስ ጸኒሑ’ዩ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0