ኢትዮጵያ፣ መስርሕ ምስራዝ ናይ ወጻኢ ዕዳ፣ ብሰንኪ ኵናት ግብራዊ ክኸውን ከምዘይክኣለ ተገሊጹ

Radio Erena: 20 October 2022

ኢትዮጵያ፣ 10ታት ቢልዮን ዶላር ዝግመት ውህሉል ናይ ወጻኢ ዕዳ ንኽስረዘላ ካብ ዝቐረበ ረቛሒታት ንዝበዝሐ ክፋሉ ስለዘየማልአት፣ ዝተኣትወላ መብጽዓ ግብራዊ ክኸውን ከምዘይክኣለ ተገሊጹ።

ኣብ ዋሽንግተን ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ዋዕላ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ዝተሳተፉ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ፣ ምስ ሰበ ስልጣን እተን ፊናንስያውያን ትካላት፣ ኣብ ምስራዝ ዕዳን ሕውየት ቁጠባን ዘተኮረ ምይይጥ ኣካይዶም።

እንተኾነ፣ ኢትዮጵያ ንረቛሒታት ምስራዝ ዕዳ ከተማልእ ካብ ዘይክኣለትሉ ምኽንያታት ሓደ፣ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኵናት ምዃኑ ሚኒስተር ዴ’ታ ፋይናንስ፣ ኢዮብ ተካልኝ ሮይተርስ ኣረጋጊጹ።

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፣ ኣህጉራዊ መስርሕ፣ ኢትዮዮጵያ ከተማልዘኦ ስለዘይክኣለት፣ ዕዳኣ ካብ ምስራዝ ደው ክብል ዘሕዝን’ዩ ክብል እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ገንዘብን ኢትዮጵያ፣ ኣሕመድ ሺደ ብወገኑ ምስ ዝትፍላለዩ ሰበ ስልጣን እቲ ኣህጉራዊ ፊናንስያዊ ትካል ዘካየዶ ምይይጥ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፣ ውህሉል ዕዳ ኢትዮጵያ ንምስራዝ ኣብ ዘኽእል ስምምዕ ግና ክበጽሕ ከምዘይከኣለ መርበባት ዜና ኣቃሊሐን።

ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 30 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ናይ ወጻኢ ዕዳ ክህልዋ እንከሎ፣ እቲ ኣስታት ፍርቂ ካብ ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን በብእዋኑ ዝተለቀሓቶ’ዩ።

ብደረጃ ሃገር ንኢትዮጵያ ዝበጽሓ ገንዘብ ዘለቅሓታ ድማ ቻይና ኮይና ኣስታት 10 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሕ ይጠቐስ።

ጉጅለ 20 ሃብታማት ሃገራት፣ ካብ 2021 ኣትሒዘን ኣብ መቓን ብዘስፈረኦ መስርሕ ምስራዝ ዕዳታት፣ ኢትዮጵያ ዘለዋ ውህሉል ናይ ወጻኢ ልቓሕ ክሕደገላ ክትዝቲ’ያ ጸኒሓ።

እንተኾነ፣ ብሰንኪ’ቲ ካብ መወዳእታ 2020 ኣትሒዙ ዝቐጽል ዘሎ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ረቛሒታት እቲ መስርሕ ከተማልእ ኣይከኣለትን።

ኢትዮጵያ ክስረዘላ እትሓቶ ዘላ ብዝሒ ገንዘብ ኣይተነጸረን።

ካዝና ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ እናንቆልቀለ ስለዝመጸ፣ ንመሰረታዊ መግብታን መድሃኒትን እንተዘይኮይኑ፣ ‘ቀዳምነታት ዘየድሎ’ ተባሂሉ ንዝተዘርዘረ ካልእ ንልዕሊ 40 ነገራት ካብ ወጻኢ ከእትዉ ንዝደልዩ ነጋዶ ናይ ዶላርን ኤውሮን ገደብ ክግበረሎም፣ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ይርከብ።

ካዝና ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣስታት 1.5 ቢልዮን ዶላር ጥራይ ከምዘለዎ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ይእምት።

ብኵናትን ቁጠባዊ ቅልውላውን እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ዝቕባባ ባጤራኣ ኣስታት 30% ከምዝበጽሐ ክኢላታት እዚ ዓውዲ የመልክቱ።

መንግስቲ ንሓደ ዶላር ኣመሪካ፣ ብሕሳብ 53 ብር ኣብ ባንክታት ክሽረፍ ኣዊጁ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ግና ሓደ ዶላር ኣመሪካ ልዕሊ 90 ብር’ዩ ዝሽረፍ ዘሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0