ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ መጀመርያ ዝኾነ ኣገልግሎት ናይ ከተማ ባቡር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጀሚሩ

ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ መጀመርያ ዝኾነ ኣገልግሎት ናይ ከተማ ባቡር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጀሚሩ

Radio Erena: 21 September 2015

adTra

ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝረካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ መጀመርያ ዝኾነ ኣገልግሎት ናይ ከተማ ባቡር ወይ ትራም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጀሚሩ።

እዚ ትማሊ ሰንበት 20 መስከረም ብወግዒ ንዝህቢ ኣገልግሎት ክህብ ዝጀመረ ናይ ከተማ ባቡር፣ ንዝጸንሐ ጸምጭንናቕ መጓዓዝያ እታ ከተማ ከቓልል ትጽቢት ይግበረሉ።

እቲ ናብ ክልተ መስመር ጀሚሩ ዘሎ 34 ኪሎሜተር ዝሽፍን ባቡር ከተማ፣ መዓልታዊ ክሳብ 60 ሽሕ ተጓዓዝቲ ከመላልስ ከምዝኽእል ይግመት።

 

ኣብዚ ዝመጽእ ኣዋርሕ’ውን ካልእ ተወሳኺ መስመር ኣገልግሎት ክህብ ምዃኑ ኣካየድቲ ስራሕ እቲ መንገዲ ባቡር የረድኡ።

እዚ ንኣዲስ ኣበባ እናሰናጠቐ ዝሓልፍ ናይ ከተማ ባቡር ካብ መንግስቲ ቻይና ብዝተረኽበ ናይ ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ልቓሕን ሓገዝን ዝተሃንጸ ኮይኑ፣ እቲ 85 ሚእታዊት ናይቲ ፕሮጀክት ካብ ባንክ ኤክሲም ናይ ቻይና ዝተመወለ’ዩ።

ኣብዚ ቀረባ ክዛዘም ትጽቢት ዝንበረሉ ንኢትዮጵያን ጅቡትን ዘራኽበ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ባቡር’ውን ካብ መንግስቲ ቻይና ብዝተረኽበ ምወላ ከምዝተሃንጸ ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ ቻይና፣ 200 ሚልዮን ዶላር ዝወድአ ዘመናዊ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሓገዝ ብምህናጽ ኣብ 2012 ነቲ ሕብረት ከምዘረከበት ኣይርሳዕን።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0