ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታዊ ትካላት ክመሓደራ ዝጸንሓ ኣብያተ ትምህርትን ሕክምናን መንግስቲ ንምህጋረን ጸቕጥታት ይቕጽል

ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታዊ ትካላት ክመሓደራ ዝጸንሓ ኣብያተ ትምህርትን ሕክምናን መንግስቲ ንምህጋረን ጸቕጥታት ይቕጽል

Radio Erena: 27 December 2017

asmaraaa

ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታውያን ትካላት ክመሓደራ ዝጸንሓ ኣብያተ ትምህርትን ሕክምናን ንምህጋረን መንግስቲ ጸቕጥታት ይቕጽል ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ድሕሪ’ቲ ተማሃሮን ወለድን ዲያእ ኣል እስላምያ ዘካየድዎ ታሪኻዊ ተቓውሞ፣ እታ ቤት ትምህርቲ ካብ ምዕጻው ክትድሕን እኳ እንተኸኣለት፣ መንግስቲ ንምህጋራ ገና ዝተፈላለየ መስርሕ ይኽተል ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

እንዳማርያም’ውን ዛጊት እኳ እንተዘይተዓጽወት፣ ብውሽጢ ውሽጢ፣ ናብ መንግስቲ ንምስግጋራ ይስራሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝጸንሐት ቤት ትምህርቲ ካቴድራል’ውን ተመሳሳሊ ዕጫ በጺሕዋ ከምዘሎን፣ ኣብ ፈለማ ነቲ ናይ ምህጋር መስርሕ ዝተቓወሙ ኣባላታ ተኣሲሮምን ምንባሮም ኣቐዲሙ ተቓሊሑ’ዩ።

እቲ መንግስቲ ብዘይካ’ቲ ኣቐዲሙ ክህግሮ ዝወሰኖ ከም ዲያእ ኣል እስላምያ፣ እንዳ መድሃኔኣለም፣ ካቴድራልን እንዳማርያምን ዝኣመሰለ ካብ ፈለምኡ ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታዊ ትካላት ክመሓደር ዝጸንሐ ኣብያት ትምህርቲ፣ ኣብ ድግሳ፣ ሞጎሎ፣ ምሳ ራሓን ዝርከብ ብደናግል ዝእለ ዝነበረ ኣብያተ ሕክምና’ውን ንመንግስቲ ክርከብ ትእዛዝ ተመሓላሊፉለን ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣረዲኦም።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0