ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ የመን ብዘካየዶ ደብዳብ 14 ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም

ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ የመን ብዘካየዶ ደብዳብ 14 ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 28 December 2017

yemen raidብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ ከተማ ጣይዝ ናይ የመን ብዘካየዶ ደብዳብ ብዉሑዱ 14 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ገሊጹ።

ዝሓለፈ ሰሉስ እውን ብተመሳሳሊ 16 ሰላማውያን ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ፣ 11 ኣባላት ኣል ሑቲ ከምዝተቐትሉ ኣብታ ከተማ ተዋፊሮም ዘለዉ ኣባላት ሕክምና ሓቢሮም።

ከተማ ጣይዝ ኣብ ትሕቲ ብስዑድያ ተደጊፉ ዘሎ መንግስቲ የመን እኳ እንተላ፣ ዝበዝሐ ከባቢታት’ታ ከተማ ግና ብኣል ሑቲ ተታሒዙ ዝለዘሎ ንሰለስተ ዓመታት ዓውዲ ኲናት ኮይና’ያ ጸኒሓ።

 ናብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዘዋስን ምዕራባዊ ከባቢታት’ታ ከተማ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ እውን ብውሑዱ 22 ኣባላት ኣል ሑቲ ከምዝተቐትሉ ወተሃደራውያን ምንጭታት ይገልጹ።

ኣል ሑቲ ብወገኑ ብሰሉስን ረቡዕን ኣብ ዝተኻየደ ኲናት፣ ኣብ ልዕሊ ዕሱባት’ዮም ዝበሎም ብስዑዲ ዝድገፉ ሰራዊት መንግስቲ የመን ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደ ሓቢሩ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ የመን ደብዳብ ካብ ዝጅምር ሰብኣዊ ቅልውላው’ታ ሃገር ኣብ ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ ኣውዲቑዎ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ። ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ብዕለት 24 ታሕሳስ ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘካየዶ ናይ ቴሌፎን ዘተ፣ ስዑዲ ኣብ ልዕሊ የመን ኣዊጃቶ ዘላ እገዳ ነፈርቲ ከተልዕሎ ጸዊዑ’ዩ።

=========================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0