ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጅቡቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ፍታሕ ክረኽቡ፣ ኤልሳ ጭሩም ንሳልስቲ ዘካየደቶ መግቢ ናይ ምሕሳም ተቓውሞ፣ ዘተባብዕ ግብረ መልሲ ረኺቡ

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጅቡቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ፍታሕ ክረኽቡ፣ ኤልሳ ጭሩም ንሳልስቲ ዘካየደቶ መግቢ ናይ ምሕሳም ተቓውሞ፣ ዘተባብዕ ግብረ መልሲ ረኺቡ

Radio Erena: March 28, 2014

Eritrean in Djibouti

ኣብ ጅቡቲ ነገድ ኣብ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ፍታሕ ክረኽቡ ንምጽዋዕ፣ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መግቢ ናይ ምሕሳም ተቓውሞ ከተካይድ ዝጸንሐት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት፣ ካብ ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሰኛታትን ወከልቲ ኣካላት ማሕበረሰብ እቲ ውድብን ዘተባብዒ ግብረ መልሲ ከምዝረኸበት ገሊጻ።

ኤልሳ ጭሩም ብመንገዲ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ፣ ዛጊት UNHCR፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ወኪል ጅቡትን ካልኦትን ዝርከብዎም ኣካላት፣ ነቲ ኤልሳ ጭሩም መግቢ ብምሕሳም ከተካይዶ ዝጸንሐት ተቓውሞ፣ እወታዊ ምላሽ ብምሃብ፣ ንጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ጅቡቲ ብዕቱብ ክከታተልዎ ምዃኖም ከምዝገለጹላ’ውን ሓቢራ።

 

ዳይረክረት ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኤልሳ ጭሩም፣ ካብ 24 መጋቢት ኣትሒዛ ንሳልስቲ ዝቐጸለ መግቢ ናይ ምሕሳም ተቓውሞ ድሕሪ ምክያዳ፣ ዘተባብዕ ግብረ መልሲ እኳ እንተረኸበተ፣ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ግብራዊ ፍታሕ ክሳብ ዝረኽቡ ተቓውሞኣን ጻዕርታትን ብኻልእ መልክዕ’ውን ክትቕጽሎ ምዃና’ያ ተመልክት።

ድሮ’ውን ምስ ሓያሎ ወከልቲ ዝተፈላለዩ ማሕበራትን ውድባትን ዝርርብ ተካይድ ከምዘላ ክፍልለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ካብ 2008 ኣትሒዞም ኣብ ጅቡቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነገድ ዝርከቡ 267 ኤርትራውያን ስደተኛታትን ምሩዃት ኵናት ግብራውን ቅልጡፍን ፍታሕ ክረኽቡ፣ ኩሉ ኤርትራዊ በብዝክእሎ ጻዕርታቱ ከሐይል’ውን ተላብያ።
==================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0