ኣብ ቤት ማኣሰርቲ ጎንደር 23 ሰባት ከምዝተቀትሉ መንግስቲ ይገልጽ፣ ተቓወምቲ ድማ ልቁጽሪ ምውታት ልዕሊ 50’ዩ ይብሉ

Radio Erena: 07 September 2016

Gonder Pro

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ፣ ደቡባዊ ጎንደር፣ ከተማ ደብረ ታቦር ኣብ ዝርከብ ቂሊንጦ እብ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ብዘጋጠመ ባርዕ ናይ ዝሞቱ እሱራት ብዝሒ 23 ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

እቲ መንግስቲ ኣብ መግለጺኡ፣ እቶም 21 ካብቲ ባርዕ ንምህዳም ኣብ ዝፈተንሉ ብጽቕጥቕጥ ከምዝሞቱ ክገልጽ እንከሎ፣ እቶም ክልተ ከኣ ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ ብዝተተኮሰሎም ጠይት ከዝሞቱ’ዩ ዘመልክት።

ቁጽሪ ምውታት ልዕሊ 50 ከምዝበጽሐን ዝገልጹ ዘለዉ ተቓወምቲ ወገናት እታ ሃገር ከኣ መብዛሕቶም ካብ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ብዝተተኮሰሎም ጠያይቲ ከምዝተቐትሉ’ዮም ዘረድኡ።

 

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ተቀይዶም ዝነበሩ ኣስታት 3 ሽሕ እሱራት ዛጊት ሃለዋቶም ንምርግጋጽ ከምዘይተኽእለ’ውን እቶም ተቓወምቲ ይጠቕሱ።

ጠንቂ እቲ ብሓሙስ 1 መስከረም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቂሊንጦ ዘጋጠመ ባርዕ ናይ ኤልክትሪክ ገመድ ብዝፈጠሮ ብልጭታ ምዃኑ ኣዛዚ እቲ ቤት ማእሰርቲ እኳ እንተገለጸ፣ እቲ ባርዕ ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተጎሃሂሩ ዘሎ ናዕቢ ዝተተሓሓዘ ከምዝኾነ ከኣ እቶም ተቓወምቲ የገንዝቡ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0