መራሕቲ ቀጠርን ቻድን፣ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዝሰረዝዎ ዑደት ናብ ዳርፉር፣ ሎሚ ካከይድዎ’ዮም ተባሂሉ

Radio Erena: 07 September 2016

Darfur

ኣሚር ቀጠር ሸኽ ሓማድ ቢን ከሊፋ ኣልታኒን ፕረዚደንት ቻድ እድሪስ ደቢን ሎሚ 7 መስከረም ኣብ ዳርፉር፣ ከተማ ኤልፋሽር ምብጻሕ ክፍጽሙ ምዃኖም ኣመሓደሪ እቲ ዞባ ሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ሓያሎ ሰበ ስልጣን ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ኣብ ዳርፉር ክበጽሑ ምዃኖም እቲ ኣማሓዳሪ ገሊጹ።

መራሕቲ ቀጠርን ቻድን ኣብ ወርሒ ሓምለ ናብ ዳርፉር ክበጽሑ ምዃኖም ተሓቢሩ እኳ እንተነበረ፣ ብንጹር ብዘይተፈል ምኽንያት እቲ ዑደት ከምዝተሰጋገረ ኣይርሳዕን።

 

ዕላማ ምብጻሕ ኣሚር ቀጠርን ፕረዚደንት ቻድን ናብ ዳርፉር፣ ንምዝዛም እቲ ኣብ 14 ሓምለ 2011 ኣብ ዶሓ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ዳርፉር ንምጽንባል ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ብመንጎኝነት ኣሚር ቀጠር፣ ኣብመኖ መንግስቲ ሱዳንን ክልተ ዓበይቲ ተቓወምቲ ሓይልታት ዳርፉርን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፣ ንግጭት ዳርፉር ናይ መወዳት ፍታሕ ከምጽኣሉ እኳ እንተዘይካኣለ፣ ናብ ተዛማዲ ሰላም ኣሰጋጊርዎ ምህላዉ ይፍለጥ።

ቀጠር ኣብ ሽምግልና ጉዳያት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኤርትራን ጅቡትን፣ ሱዳን ከምኡ ድማ ሶማል ብዝልዓለ ካብ ዝዋስኣ ሃገራት’ያ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0