ኣብ ባጽዕ፣ ከባቢ ፎሮ ጽዑቕ ግፋ ተኻየዱ

Radio Erena: 16 September 2016

Foro

ኣብ ባጽዕ፣ ከባቢ ፎሮ ኣብ እዋን ዒድ ኣልድሓን ቅዱስ ዮሃንስ ህዝቢ ጠሌ በጊዕ ኣብ ዝሽምተሉ ከባቢታት ብሓሙስ 8 መስከረም ጽዑቕ ግፋ ከምዝተኻየደ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ምስ ግዱድ ወትሃደራዊ ታዕሊም ክተሓሓዝ ከምዝኽእል ዝተገመተ ሃንደበታውን ጽዑቕን ግፋ፣ መንእሰያትን ብዕድመ ዝደፍኡ ኣቦታትን ከምዝተታሕዙን ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ ንብምሉኦም ናብ ከባቢ ኣስመራ ከምዘግዓዝዎም ገሊጺም።

ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣቦታት፣ ኣስመራ ምስ ዝበጽሑ ከፋንውዎም እንከለዉ ነቶም መንእሰያት ግና ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዘቐጸልዎም’ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ።

 

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብቲ ሰሙን’ቲ’ውን ኣብ ባጽዕ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ንዝጽልዮ ዝነበሩ ሓያሎ ኣመንቲ ክርስትና ከምዝቐየዱ ተገሊጹ’ዩ።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0