ቤት ምኽሪ ህዝቢ፣ ስዊዘርላንድ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላትን ልምዓታዊ ሓገዝን ክትዝቲ ብዓብላሊ ድምጺ ደጊፉ

Radio Erena: 16 September 2016

swis

ስዊዘርላንድ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላትን ልምዓታዊ ሓገዝን ዘተኮረ ዘተ ከተካይድ ከምዝድግፍ ብዓብላሊ ድምጺ ገሊጹ።

እቲ ቤት ምኽሪ ብ13 መስከረም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ 123 ኣባላቱ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘተ ክቕጽልን ነቲ መንግስቲ ከኣ ምሕጋዙን ንዝብል ነጥቢ ክድግፉ እንከለዉ እቶም 62 ግና ተቓዊሞም።

ብመሰረት እቲ ቤት ምኽሪ ዘካየዶ ዘተ፣ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክመሓየሽ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ዘተ ክቕጽልን ንምምሕያሹ ከኣ ምስቲ መንግስቲ ክተሓባበርን ዝብል’ዩ።

ብዘይካ’ዚ’ውን፣ ሓድሽ ፕሮጀክታት ንምትግባር ነቲ መንግስቲ ልምዓታዊ ሓገዝ ዝወሃበሉ ኣገባባት ዘተ ክጅመር ከምዘለዎ እቲ ቤት ምኽሪ ብዓብላሊ ድምጺ ደጊፉ።

ይኹን’ምበር፣ እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ምስ ቅድመ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ክተሓሓዝን፣ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ኣብ ሃገር ንዘሎ ኩነታት ዝዕዘባ ኣህጉራውያን ትካላት ክኣትዋ ክፈቕድን ዝጠልብ’ዩ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ’ውን ደገፍ ፈደራላዊ ባይቶን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዊዘርላንድን ከምኡ ድማ ቅርቡነት መንግስቲ ኤርትራን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዘተን ከምዘድሊ’ውን ኣቲ ቤት ምኽሪ ገምጊሙ።

ብመሰረት ኣብ ትሪቡን ደ ጀኔቭ ቀሪቡ ዘሎ ሓበሬታ፣ ፈደራላዊ ባይቶ ስዊዘርላንድ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ ዝዓለመ ዘተ ንምክያድ ቅርቡነት ከምዘይብሉ’ዩ ዝኣምን።

ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፣ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ 10 ዓመታት ናብ ዝርከባ ኣብያተ ማእሰርቲ ክበጽሕ ዘይምኽእሉ ከም ሓደ ኣብነት’ዩ ዝቕርቦ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዲድየ ቡልካተር፣ ገስጋስ ክርአ ዝኽእል እቲ ኩነታት ምስ ዝምዕብል ጥራይ’ዩ ክብል ኣብ ሰባኣዊ መሰላት ኤርትራ ንዘሎ ተስፋ ዘቑርጽ ኩነታት ደምዲሙ።

ክሳብ 2006 ንኤርትራ ልምዓታዊ ሓገዝ ተበርክት ዝነበረት ስዊዘርላንድ፣ እቲ ሓገዝ ኣብ ዕላማታቱ ክበጽሕ ብዘይምኽኣሉን ገለ ክፋል ናይቲ ሓገዝ’ውን ኣብ ወትሃደራዊ መዓላ ድሕሪ ምውዓሉን ከተቋርጾ ከምዝወሰነት ጸብጻብ ትሪቡን ደ ጀኔቭ ኣብ መወዳእታ ይጠቕስ።

ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘሻቕለን ዘሎ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ’ውን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዋሕዚ ንምግትኡ ልምዓታዊ ሓገዝ ምብርካት ኣብ ዝብል ነጥብታት፣ ንምዝርራብ ወኪላተን ናብ ኤርትራ ይልእካን፣ ንወኪል መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ናብ ሃገራትን ይዕድማን እኳ እተለዋ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ነዚ ከም ክልትኣዊ ምትሕግጋዝን ካብ ፖለቲካዊ ተነጽሎ ዘውጽኦ ዘሎ ዕዉት ዲፕሎማስያዊ ርክባትን’ዩ ዝገልጽ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0