ኣብ ባንክታት ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ባጤራ ናቕፋ፣ መንግስቲ ምንቁልቋል ሸርፊ ንምቁጽጻር ዝገበሮ ዘሎ ምዃኑ ተገሊጹ

ኣብ ባንክታት ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ባጤራ ናቕፋ፣ መንግስቲ ምንቁልቋል ሸርፊ ንምቁጽጻር ዝገበሮ ዘሎ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 25 September 2015

nakfa

ኣብ ባንክታት ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ባጤራ ናቕፋ፣ መንግስቲ ኮነ ኢሉ ዝገበሮ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ተራእዩ ዘሎ ዋሕዲ ባጤራ ናቕፋ፣ ነቲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ሰማኡ ዝዓርግ ዘሎ መጠን ሸርፊ ናይ ወጻኢ ባጤራታት ንምግታእ፣ መንግስቲ ኮነ ኢሉ ንናቕፋ ከምዘይዝርጋሕ ይገብር ምህላዉ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ኣመልኪቶም።

ብጸሊም ዕዳጋ ዝግበር ሓዋላን ሸርፍን ናይ ወጻኢ ባጤራ፣ ንዓቕሚ ናቕፋ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከንቖልቑሎ ከምዝጸንሐ ዝፍልጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ዋሕዲ ናቕፋ ብምህላዉ፣ ሸርፊ ዶላርን ኤውሮን ብመንጽር ናቕፋ ናህሩ ደው ኢሉ ይርከብ።

 

ብዘይዝኾነ ቅቡል ምኽንያት ኣብ ሓደ እዋን ካብ 10 ሽሕ ናቕፋ ካብ ምውጻእ ከምዘይፍቀደ፣ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክሰርሓሉ ዝጸንሐ እኳ እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ጽኑዕ ምቁጽጻር ይግበረሉ ኣሎ።

ዝኾነ ዜጋ ካብ 20 ሽሕ ንላዕሊ ጥረ ገንዘብ ኣብ መንበሪ ቤቱ ከየቐምጥ’ውን መንግስቲ ምፍርራሓት ይገብር ምህላዉ እቲ ካብ ኣስመራ ዝተላእከላን ሓበሬታ የነጽር።

ባጤራ ናቕፋ ናይ ምዕዳግ ዓቕሙ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተዳኸመ ስለዝመጸ፣ ህዝቢ ገንዘቡ ኣብ ባንክ ኣብ ክንዲ ዘቐምጥ ከም ገዛ፣ ወርቂ፣ መኪናን ካልእን ብዝኣመለሰ ንብረት ክሕዞ ይመርጽ ምህላዉ በብእዋኑ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

=================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0