ኣብ ቃለ-መሓለ ፕረዚደንት ኣልበሽር ንኽሳተፍ ዕድመ ዝተገብረሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብቲ ስነ ስርዓት ብዘይምርካቡ ኣዘራሪቡ

ኣብ ቃለ-መሓለ ፕረዚደንት ኣልበሽር ንኽሳተፍ ዕድመ ዝተገብረሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብቲ ስነ ስርዓት ብዘይምርካቡ ኣዘራሪቡ

Radio Erena: 05 June 2015

AlbaIsus

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ቃለ-መሓላ ፕረዚደንት ሱዳን ክሳተፍ ብፕረዚደንት ኣልበሽር ዕድመ ቀሪብሉ ከብቕዕ፣ ኣብቲ ስነ ስርዓት ብዘይምስታፉ፣ ኣዘራራቢ ኮይኑ።

መራሕቲ ሓያሎ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብቲ ብ2 ሰነ ኣብ ከተማ ካርቱም- ኡምዱርማን ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምፍጻም ቃለ መሓላ ክሳተፉ እንከለዉ፣ ኣቐዲሞም ክሳተፉ ምዃኖም ዝተሓበሩ መራሕቲ ቀጠርን ስዑዲ ዓረብ ድማ ወከልቶም ጥራይ’ዮም ሰዲዶም።

ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽር ጥቡቕ ስልታዊ ዝምድና መስሪቱ ዝርከብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ናይ ቃለ-መሓለ ስነርዓት ኣብ ካርቱም ዘይተረኽበሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ሰበ ስልጣን መንግስቲ ሱዳን’ውን ኣብ መበል 24 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ኣይተሳተፉን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ስነ ስርዓት ክሳተፍ ምዃኑ ኣቐዲሙ መንግስቲ ሱዳን ሓቢሩ ኔሩ’ዩ።

ካብ ዞባዊ ጉዳያት ተነጺሉ ዝርከብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ዞባና ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ንጥፈታት ክሳተፍ ኣይርአን’ዩ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0