ኣብ ቀጠር ንኣዋርሕ ደሞዞም ዘይተኸፍሉ ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ምህላዎም ተሓቢሩ

Radio Erena: 22 September 2016

Qatar Migran

ኣብ ቀጠር፣ ንኣዋርሕ ደሞዞም ዘይተኸፍሉ ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ከምዘለዉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

ኣብ ናይ ኤልክትሪክ ኩባንያ ዝሰርሑ ኣስታት 400 ዜጋታት ህንዲ፣ ንልዕሊ 4 ኣዋርሕ ደሞዞም ከምዘይተኸፍሉ ዝሓበረ፣ ወኪል ማሕበርኮም ህንዲ ኣብታ ቀጠር፣ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ንምዝርራብ ምስ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኣዶሓ ኣኼባ ከካይዱ ምዃኖም ገሊጹ።

ኣብዚ ኩባንይ ዝሰርሑ ብዙሓት ዜጋታት ካልኦት ሃገራት’ውን ብተመሳሳሊ ደሞዞም ከምዘይተኸፍሉ ዘረጋገጸ ወኪል እቲ ማሕበረኮም፣ ንኣዋርሕ ደሞዞም ዘይተኸፍልሉ ምኽንያት ከምዘይፈለጡ’ዩ ዝጠቕስ።

እንተኾነ፣ ቀጠር ደሞዝ ሰራሕተኛታት ብኤልክትሮኒካዊ ምስግጋር ክኽፈል ድሕሪ ምውሳና፣እቲ ምድንጓይ ከምዘጋጠመ’ዩ ዝዝረበሉ።

2.5 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ቀጠር፣ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ኣለዉ።

እቶም ዝበዝሑ ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ህንዳውያን ኮይኖም፣ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ይበጽሑ።

ኣብ ቀጠር ኣስታት 2 ሽሕ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሓያሎ ካብኣቶም ብበዓልቲ ቤት ኣሚር ቀጠር ኣብ ዝውነን ናይ መጓዓዝያ ትካል ንኽሰርሑ ብእኩብ ብኩንትራት ካብ ኤርትራ ዝተላእኩ’ዮም።

ቀጠር፣ መሰል ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ብምግሃስ ኣብ ቅድሚ ካብ ዝጠቀሳ ዘለዋ ሃገራት ዓለም’ያ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0