“ዝተፈላለዩ ጉጅለታት የመን ኣብ ኤርትራን ዓደንን ሰልጢኖም፣” ጋልፍ ኒውስ

Radio Erena: 21 September 2016

Yem

ኣብ የመን ኣንጻር ሑቲ ዝዋግኡ ዘለዉ፣ ኣብ ትህጢ መንግስቲ የመን ዝተጠርነፉ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት፣ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝተመወለ፣ ኣብ ኤርትራን ዓደንን ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከራት ስልጠናታት ይወስዱ ምህላዎም፣ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝመሓላለፍ ማዕከን ዜና ጋልፍ ኒውስ ኣረጋጊጹ።

እቲ ማዕከን ዜና፣ ንህሉው ኩነታት ናይቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ኣምልኪቱ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ንሑቲ ክምክቱ ዘይክኣሉ ዘይተወደቡ ጉጅለታት፣ እኹል ወትሃደራዊ ስልጠና ንምውሳድ፣ ኣብ ኤርትራን ዓደንን ናብ ዝርከብ መዓስከራት ከምዝኣተዉ’ዩ ዝሕብር።

ማዕከናት ዜና ኢራን፣ ኣብዝ ሓለፈ ቅንያት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ስዑዲ ዓረብ ኣስታት 5 ስሕ ዝኾኑ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ኤርትራ ተሰልጥን ከምዘላ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

 

መንግስቲ ኤርትራ’ውን ነቲ ብናይ ኢራን ኣገልግሎት ዜና ፋርስ ዝቀረብ ጸብጻብ ሓሶት’ዩ ክብል ብወግዒ ኣብ ዝዘርግሖ ሓተታ ገሊጹ’ዩ።

ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝመደበሩ ጋልፍ ኒውስ፣ ኣብ ኤርትራን ዓደንን ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ይስልጥኑ ምህላዎም እኳ እንተረጋገጸ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ወትሃደራዊ ታዕሊም ዝወስዱ ዘለዉ የመናውያን ግና ኣየነጸረን።

ኣብ ኤርትራ ስልጠና ዝወሰዱ ኣማኢት ወትሃደራት ናይቲ ብሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመን፣ ኣብ ከተማ ዓደን፣ ኣብ ኣብ ሓለዋት ትካላት መንግስቲን ካልእን ኣገደስቲ ነቑጣታትን ከምዝተዋፈሩ ሓያሎ ጋዜጣታት የመን ይጠቕሳ’የን።

መንግስቲ ኤርትራ’ውን፣ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ሎጂስቲካዊ ኣገልግሎታት ይህብ ከምዘሎ እኳ እንተተኣመነ፣ ዝርዝራዊ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝወሃብ ዘሎ ሎጂስቲካዊ ሓገዛት ግና ኣይሓበረን።

===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0