‘ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተራሕረሐት ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ ንምእላይ ዝተኻየደ ምእካብ ገንዘብ ኣይተዓወተን’ ው.ሕ.ሃ.

Radio Erena: 07 May 2023
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተራሕረሐት ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ ንምእላይ፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘድልዮ ባጀት ሓገዝ ንምርካብ ዘካየዶ ጻዕሪ ከምዘይተዓወተ ተገሊጹ።
እቲ ውድብ ብሓሙስ 4 ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ገንዘብ ናይ ምውጻእ መስርሕ፤ 5.6 ሚልዮን ዶላር እኳ እንተረኸበ፤ ገና 24 ሚልዮን ዶላር ተሪፉዎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ወሃብ ቃል ኣቦ ወንበር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም፤ እታ መርከብ ጽዒናቶ ዘላ ነዳዲ ናብ ቀይሕ ባሕሪ እንተፈሲሱ፤ ሳዕቤኑ ብግቡእ ዝተረደኦ ኣይመስልን ዘሎ ኢሉ።
ቀዳማይ ደረጃ ናይቲ መስርሕ፤ ተራሕሪሑ ዘሎ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ፤ ናብ ካልእ መርከብ ክግዕዝ ተኣሚሙ ኣሎ። ነዚ መስርሕ ከተግብር ዝኽእል ገንዘብ ድሮ ተዋጺኡ ስለዘሎ፤ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ’ዚ ክጅምር ትጽቢት ይግበረሉ።
ናይቲ ዝስዕብ መስርሕ ባጀት ግና ብእዋኑ እንተዘይተረኺቡ፤ ናይ ልዕሊ 8 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ከስዕብ ምዃኑ’ዩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘጠንቅቕ።
እቲ ዝተራሕረሐ ነዳዲ ናብ ቀይሕ ባሕሪ እንተፈሲሱ፤ ን1.7 ሚልዮን ኣብ ገማግም ዝነብር ህዝቢ የመን ጥራይ ዘይኮነ፤ ብምግፋፍ ዓሳ ዝናበር ንኤርትራ ሓዊስካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ዝነብር ህዝቢ’ውን ክትንከፍ ከምዝኾነ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0