‘ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርአ ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት መራኽብ ንምግታእ፣ ብሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝምራሕ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ክቐውም’ዩ’

Radio Erena: 18 April 2022

ኣመሪካ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርአ ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት መራኽብ ንምግታእ ዝዓለመ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ከተቕውም ምዃና ኣፍሊጣ።

ኣሶሸትድ ፕረስ፣ ንምክትል ዋና ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተውዋፊሩ ዝርከብ፣ መበል ሓሙሻይ ጭፍራ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፣ ኣድሚራል ብራድ ኩፐር፣ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ እት ሓይሊ ዕማም ነቲ ብሰንኪ ኵናት የመን ኣንጸላልቱ ዘሎ ሓደጋ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ምውሓስ ዝዋፈር’ዩ።

እንተኾነ እቲ ኣድሚራል፣ ኣንጸልልዩ ንዝበሎ ሓደጋ ይኹን ብተደጋጋሚ ዝተኻየደ መጥቃዕታት፣ በቲ ብኢራን ከምዝድገፍ ዝንገረሉ ሑቲ ከምዝፈጸመ ኣየተንብሀን።

ነቲ ሰፊሕ ክሊ ማይ ኣመሪካ በይና ከትውውሕሶ ስለዘይትኽእል መሻርኽቲ ከምዘድልዩዋ እቲ ኣድሚራል ገሊጹ።

ኣብ ባሕሬይን ዝመደበሩ እዚ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ናይቲ ዞባ፣ ኣስታት 35 ሃገራት ዝተሳተፈኦ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምክያዱ ኣይርሳዕን።

እቲ ዝተኻየደ ወትሃደዊ ልምምድ፣ ሓደ መበገሲ ናይቲ ንቀይሕ ባሕሪ ከውሕስ’ዩ ዝብሃል ዘሎ ሓይሊ ዕማም ምዃኑ’ውን ጸብጻብ ኣሶሸተድ ፕረስ ኣመልኪቱ።

ኣመሪካ፣ ብዘይካ’ቲ ዘካየደቶ፣ ንሓያሎ ሃገራት ዝሓቖፈ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ፣ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት እቲ ዞባ’ውን ሓባራዊ ወትሃደርዊ ስልጠናታት ከተወሃህድ ጸኒሓ’ያ።

ብኣመሪካ ይኹን ካልኦት ሃገራት ተወዲቡ፣ ኣብ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝካየድ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምዳት፣ ዘይትሳተፍ እንኮ ሃገር ናይቲ ዞባ ኤርትራ ጥራይ’ያ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0