ኣብ ሶማል ነዳዲ ተረኺቡ፣ መርገም ዶ ምርቓ?

ኣብ ሶማል ነዳዲ ተረኺቡ፣ መርገም ዶ ምርቓ?

Radio Erena: 12 June, 2014

somali oil

ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኩባንያታት ምዕራብ ከካይድኦ ብዝጸንሓ ዳህሳስ፣ ነዳዲ ከምዝተረኽበ ተረጋጊጹ።

እዚ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ሶማሊላንድ ተረኺቡ ዘሎ ዕቑር ሃብቲ ነዳዲ፣ ክሳብ 110 ቢልዮን በርሚል ተገሚቱ ኣሎ።

እዚ ድማ ፍርቂ ናይቲ ስዑዲ ዓረብ ዘለዋ ዕቑር ሃብቲ ነዳዲ’ዩ።

ይኹን’ምበር ነታ ገና ዘይሓበረትን ጸጥታኣ ዘየውሓሰትን ዘላ ሶማል፣ እዚ ተረኽቡ ዘሎ ነዳዲ፣ ተወሳኺ መርገም ከይኮና ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቒቑ ኣሎ።

 

ተቖጻጸሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሶማልን ኤርትራ፣ ብ24 ግንቦት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ’ውን፣ እዚ ኣብ ርእሰ ምምሕዳራት ሶማል ተረኺቡ ዘሎ ነዳዲ ተወሳኺ ግጭት ከጎሃህር’ዩ ዝብል ስኽፍታ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

እቲ ዶብ ርእሰ ምምሕዳራት ሶማሊላንድን ፑንትላንድን ተረኺቡ ዘሎ ነዳዲ፣ ብኩባንያታት ዕደና ነርወይ፣ ካንዳን ኢማራት ዓረብን ናብ ዕዳጋ ንምቕራቡ ይስርሓሉ ኣሎ።

ሶማሊላንዳን ፑንትላንድድ ኣብ 1991 ድሕሪ ዝተወልዐ ኵናት ሓድሕድ ካብ ሶማል ተፈልየን ናይ ገዛእ ርእሰን ምምሕዳር እኳ እንተቖማ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ከም ልኡላውያን ሃገራት ተቐባልነት ኣይረኸባን።
============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0