ኣብ ዓሰብን ከባቢኡን ዝርከቡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ብመንገዲ የመን ዝኣቱ ጫት የዘውትሩ ኣለዉ

ኣብ ዓሰብን ከባቢኡን ዝርከቡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ብመንገዲ የመን ዝኣቱ ጫት የዘውትሩ ኣለዉ

Radio Erena: 11 June, 2014

ethio khat

ኣብ ዓሰብን ከባቢኣን ዝርከቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ብመንገዲ የመን ዝመጸ ጫት ኣብ ምዝውታር ከምዝርከቡ ሓደ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ነበር ኣቃሊዑ።

ጫት ኣብ ኤርትራ ሕጋዊ ኣብ ርእሲ ዘይምዃኑ፣ ብዙሕ’ውን ዝፍለጥ ኣይኮነን።

እንተኾነ፣ ኣብ ዓሰብን ከባብኣን ዝርከቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስቲ ብመንገዲ የመን ብኮንትሮባንድ ካብ ዘእትውዎ ዝተፈላለየ ነገራት፣ ጫት’ውን ከዘውትሩ ይርአዉ ምህላዎም እቲ ኣብ ዝቀረባ ካብ ኤርትራ ዝወጸ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

 

እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣቐዲሙ’ውን ሽጋራ ኣብ ዝተሳእነሉ፣ ጥዕንኡ ዘይተረጋገጸ ‘ሮያል’ ዝተባህለ ሽጋራ ብብዝሒ እናጋረቱ ናብ ዓሰብን ከባቢኣን ካብኡ ሓሊፎም ድማ ናብ ካልእ ክፋል ኤርትራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክዝርግሕዎ ከምዝጸንሑ’ውን ጠቒሱ።

ከም ነዳዲ፣ ጸባ፣ ዘይቲ፣ ዕሹግ መግብታት፣ ሽጋራ..ወዘተ ዝኣመሰለ ዓይነቱን ደረጅኡን ዘይሓለወን ጥዕንኡ ዘይተረጋገጸ ነገራት ብመንገዲ የመን ብኮንትሮባንዳ ክኣቱ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሳሒት ድማ ከም ጫት ዝኣመሰለ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ነውሪን ዘይሕጋውን ዝኾነ ነገራት ኣብ ዓሰብ ክቐላቀል ይርአ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ብሕቡእ ጫት የዘውትሩ ከምዘለዉ እቲ ስሙ ዓቒብናሉ ዘሎና ኣብ ዓሰብ ዝነበረ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ነበር ሓቢሩ።
===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0