ኣብ ሶማል ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ንምሽምጋል፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓድሽ ተበግሶ ወሲዱ

Radio Erena: 09 May 2021

ኣብ ሶማል ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ንምሽምጋል፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓድሽ ተበግሶ ወሲዱ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣቦ ወንበር’ቲ ሕብረት፣ ንናይ ጋና ፕረዚደንት ነበር ጆን ድራማኒ ማሃማ፣ ከም ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ጉዳይ ሶማል ጌሩ ከምዝመዘዞ፣ ካብ ቤት ጽሕፈት’ቲ ሕብረት ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ጆን ድራማኒ ፍሉይ ልኡኽ ኮይኑ ድሕሪ ምምዛዙ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ሶማል ኣትያቶ ካብ ዘላ ቃራና መንገዲ ብሰላማዊን ደሞክራስያዊን ኣገባብ ጸገማ ክትፈትሕ፣ ምስ ሰበስልጣን’ታ ሃገር፣ ተቓወምቲን፣ መሻርኽቲ መንግስቲ ሶማል ዝኾና ሃገራትን ብሓባር ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ።

ብተመሳሳሊ ጉዳይ፣ ኣቐድም ኣቢሉ፣ ብላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር፣ ሙልታቅ ኣልቃሕታኒ ዝተመርሐ ፍሉይ ልኡኽ፣ ብ01 ግንቦት ናብ ሶማል ድሕሪ ምእታዉ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ሓሰን ሮብለ ኣብ ሞቓድሾ፣ ምስ ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ሙሰ ብሐ ድማ ኣብ ከተማ ሃርጌሳ ከምዝተራኸበ፣ ተገሊጹ’ዩ።

ብወገን መንግስቲ ሶማል ነዚ ናይ ዕርቂን ደሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣንን ክከታተል ዝተመዘዘ፣ ብኩሎም ወገናት ተቐባልነት ረኺቡ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር መሓመድ ሑሴን ሮብለ እዩ።

እዚ ሕብረት ኣፍሪቃ መዚዙዎ ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ፣ ብዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ተደጊፉ ክሰርሕን፣ ኣብዚ ዝቕጽል መዓልታት ናብ ከተማ ሞቓድሾ ክኣቱን ምዃኑ ይግለጽ።

==============

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0