‘’ዝተመዛበሉ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ፣ ዳግም ንምጥያሶም ገና ኣሸጋሪ ኮይኑ’ሎ’’ ተጸዋዒ ስደተኛታት

Radio Erena: 09 May 2021

ብሰኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተመዛበሉ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ፣ ዳግም ንምጥያሶም ገና ኣሸጋሪ ኮይኑ ከምዘሎ ተጸዋዒ ስደተኛታት ገሊጹ።

እቲ ትካል ብ8 ግንቦት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ በዚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ፣ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታትን ከተማታትን ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጥራይ ዘይኮኑ፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ፣ ኣብቲ ናይ ኲናት ዞባ ዝነብሩ ዜጋታት እታ ሃገር’ውን ብምምዝባሎም፣ ነቲ ኩነታት ዝያዳ ሓላሊኹዎ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ኣብ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ዝነበሩ 8,100 ኤርትራውያን፣ ገለ ካብ ሽረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘጎዓዓዞም፣ ካልኦት ከኣ በብውልቆም፣ ናብ መዓስከራት ዓዲ ሓሩሽን ማይ ዓይኒን ሰጊሮም ከምዘለዉ’ዩ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ዝገልጽ።

እቶም ዳግማይ ዝጣየሱ ዘለዉ ሓተትቲ ዑቕባ፣ ከም ግዚያዊ መጽለሊ፣ መግብን ካልእ ንኣሽቱ ቀረባትን ይወሃቦም ከምዘሎ ተጸዋዒ ስደተኛታት ዝገልጽ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ትካል ብግቡእ ኣይተንቀሳቐሰን ክብሎ ሓያሎ ስደተኛታት ክስታቶም የቕርቡ።

ኣብ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ዝነበሩ 330 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ መቐለ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ተጸዋዒ ስደተኛታት ሓገዝ ክሓቱ ክመጹ እንከለዉ፣ ዝበዝሑ ካብኣቶም፣ ብሰንኪ’ቲ ኲናት ከቢድ ናይ ስነኣእምሮኣዊ ጸገም ኣጋጢሙዎም ከምዘሎ፣ ኣብቲ ብሸሞንተ ግንቦት ዝወጸ መግለጺ ተሓቢሩ።

ኲናትን ውሽጣዊ ምክልባትን ሓደ ክፋል ናይቲ ንኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ኣጋጢሙዎም ዘሎ ሽግር ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ 3,840 ሞት ከምኡ’ውን 261, 580 መልከፍቲ ኣመዝጊቡ ዘሎ ኮሮና ቫይረስ እቲ ካልእ ኲናት ኮይኑ ከምዘሎ ይግለጽ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0