ኣብ ስደት ዝጸንሐ መንግስቲ የመን ጠቕሊሉ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ

ኣብ ስደት ዝጸንሐ መንግስቲ የመን ጠቕሊሉ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ

Radio Erena: 17 November 2015

Yeme Pre

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ስደት ዝጸንሐ መንግስቲ የመን ጠቕሊሉ ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ተገሊጹ።

እቲ ኣብ ስደት ዝጸንሐ መንግስቲ ጠቕሊሉ ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ዝግለጽ ዘሎ፣ ፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ፣ ንኻልኣይ እዋኑ፣ ብሰሉስ 17 ሕዳር ናብ ዓደን ድሕሪ ምእታዉ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር የመን ካልድ በሓሕ፣ መንግስቲ የመን ጠቕሊሉ ካብ ስደት ክምለስ ምዃኑ ቅድሚ ሕiደት መዓልታት ጠቒሱ’ዩ።

 

እቲ ፕረዚደንት ኣቐዲሙ’ውን ድሕሪ ናይ መንፈቕ ስደት፣ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ እዋን ዒድ ኣልኣድሓ ናብ ከተማ ዓደን እኳ እንተተመልሰ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ናብታ ብስደት ዝነብረላ ከተማ ሪያድ’ዩ ኣመሪሑ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣገደስቲ ከተማታት ዓደን፣ ጣይዝን ሖዴይዳን ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር ናይቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ኪዳን ሃገራት ወሽመጥን ካልኦት ሃገራትን ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ የመን ከምዝኣተዋ ማዕከናት ዜና ይሕብራ።

እንተኾነ መጥቃዕቲ ናይቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ኪዳን ኣብ ዝዝሕለሉ እዋን፣ ተቓወምቲ ሑቲ፣ ኣብተን ከተማታት ጸረ -መጥቃዕቲ ከካይዱ ስለዝኽእሉ፣ እቲ መንግስቲ ህላዌኡ ኣብ የመን ከውሕስ ኣጸጋሚ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕ የረድኡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ቐጠር ዝልኣኸቶ ረዲኤት ብመንገዲ ወደብ ጅቡቲ ናብ የመን ኣትዩ።

ረዲኤት ዝጸዓና ሓሙሽተ ነፈርቲ ቐጠር ናብ ጅቡቲ ድሕሪ ምእታወን፣ እቲ ረድኤት ካብ ወድብ ጅቡቲ ተጻዒኑ ናብ ዓደን ከምዝተሰጋገረ ኣገልግሎት ዜና ቐጠር ሓቢሩ።

ገለ ክፋል ናይቲ ቐጠር ናብ የመን ዝልኣኸቶ 356 ቶን ረዲኤት ብቀጥታ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዓደን ከምዝተራገፈ እቲ ኣገልግሎት ዜና ገሊጹ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0