ኣብ ስደት ዝርከብ ፕረዚደንት የመን፣ ኣብ ከተማ ዓደን ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 28 November 2016

Hadi Aden

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ስደት ዝርከብ ፕረዚደንት የመን ዓብደረቦ መንሱር ሃዲ፣ ኣብ የመን ከተማ ዓደን ሃንደበታዊ ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብቀዳም 26 ሕዳር ኣብ ዓደን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፣ ኣብ ሓደ ሃደ ከባቢታት መነባብሮ ህዝቢ እናተዘዋወረ ከምዝተዓዘበን፣ ምስ ህዝቢ ከምዝተዘራረበን ምንጭታት ዜና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ካብ 2014 ኣትሒዙ ናብ ሪያድ ሃዲሙ ዝርከብ ፕረዚደንት ሃዲ፣ ብሓገዝ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ተደጊፉ ናብ ዓደን ንምምላስ ጻዕርታት እኳ እንተካየደ፣ ጸጥታ እታ ከተማ ክውሕስ ብዘይምኽእሉ ግና፣ ቤት ጽሕፈቱ ክሳብ እዚ እዋብን’ዚ ኣብ ሪያድ’ዩ ዘሎ።

ኣብ ብሓገዝ ሕቡራት ኢማራትዓረብ፣ ኣብ ኤርትራ ከባቢ ዓሰብ ፍሉይ ስለጠናታት ዝወሰዱ ኣማኢት የመናውያን ወትሃደራት፣ ኣብ ዓደን ኣብ ዝቐውም ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ካልእ ኣገደስቲ መንግስታዊ ትካላትን ኣብ ሓለዋ ክዋፈሩ ምዃኖም ይሕበር እኳ እንተነበረ፣ ንሑቲ ብወትሃደራዊ ሓይሊ ምስዓሩ ስለዘይተኻእለ ግና፣ መንግስቲ የመን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ረጊኡ ኣብ ሃገሩ ክቐውም ኣይከኣለን።

መንግስቲ የመን፣ ነቲ ኣብ ሰንዓ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ናብ ዓደን ድሕሪ ምግዓዙ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ኣምባሳደራት ቤት ጽሕፈታቶም ናብ ዓደን ከግዕዙ’ዩ ዝሓትት ዘሎ።

እዚ ማለት ከኣ፣ ዋና ከተማ የመን፣ ካብ ሰንዓ ናብ ዓደን ትቕያር ምህላዋ ዘመልክት’ዩ ክብሉ ተንተንቲ ይገልጹ።

ዕላማ ዑደት ፕረዚደንት ሓዲ ናብ ዓደን’ውን፣ ነቲ ተፈራኽሹ ዘሎ መሓውራት መንግስቲ ንምምብርባሩን፣ ንሓያሎ ኣዋርሕ ደሞዞም ዘይተኸፍሉን ተስፋ ንዝንቖረጹን ሓይልታት ጸጥታን ሰራሕተኛታት መንግስትን ንምትብብዖምን ምዃኑ’ዩ ይንገር።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0