ቻይና፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወትሃደራዊ ጽልውኣ ንምስፋሕ ምስ ታንዛንያ ዝርርብ ጀሚራ

Radio Erena: 28 November 2016

China Tanza

ብጉዳይ ምኽፋት ወትሃደራዊ መዓስከር ኣብ ጅቡቲ ዑደት ዘካየደ ልዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ቻይና፣ ኣብ ታንዛንያ’ውን ተመሳሳሊ ዑደት ምክያዱ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ብጀነራል ፋን ቻንጊዮንግ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ቻይና ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ ኣብ ዝተራኸበሉ፣ ሃገሩ ምስ ታንንዛንያ ክትገብሮ ብዛዕባ እትኽእል ወትሃደራዊ ምትሕግጋዛት ከምዘዘተዩ እተን ማዕከናት ዜና ጠቒሰን።

ቻይና ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ መዳያት’ውን መሻርኽቲ ታንዛንያ ክትከውን ድሌት ከምዘለዎ ፕረዚደንት ማጉፋሊ ገሊጹ።

 ኣብ ገማግም ህንዳዊ ቅውያኖስ እትርከብ ታንዛንያ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ እታ ዝዓበየ ቁጠባ ዘለዋ ሃገር ጥራይ ዘይኮነት፣ ብጸጥታኣን ርግኣታን’ውን ኣብቲ ዞባ እታ ዝሓሸት ሃገር’ያ።

ቻይና፣ ካብ መሬታ ወጻኢ ኣብታ ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ጅቡቲ ፈላሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ኣብ እትጓየየሉ ዘላ እዋን፣ ኣብ ታንዛንያው’ውን ካልኣይ መዓስከር ንምኽፋት መደብ ከምዘለዋ ምዕከናት ዜና ታንዛንያ ትንታነታትን ይህባ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0