ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ንፍጻሜ 21 ጥሪ ስርሒት ፎርቶ ኮንፈረንስ ብምክያድ ዘኪሮማ

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ንፍጻሜ 21 ጥሪ ስርሒት ፎርቶ ኮንፈረንስ ብምክያድ ዘኪሮማ

Radio Erena: January 27, 2014

 

Forto 3

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዘካየድዎ ዝኽሪ 21 ጥሪ ስርሒት ፎርቶ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ መንእሰያት’ውን ብ24 ጥሪ ንተመሳሳሊ ዕላማ ኮንፈረንስ ከምዘካየዱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ጅዳ ብዝርከቡ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ማሕበር መንእሰያት ዝወደብዎ ኮንፈረንስ፣ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዑደት ብምክያድ፣ ናይ ሓድነት ዋዕላታታት ዘካይድ ዘሎ ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም ወዲ ቫካሮ’ውን ብቪድዮ ኮንፈረስን ከምእተሳተፈ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

 

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ምስቲ ዘለዎም ናይ ፓስፖርትን ካልእን ጸገማት፣ ንዘለዎም ብድሆታት እናሰገሩ ምስቲ ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝርከብ ደላይ ደሞክራስያዊ ወገኖም ብሓድነት ንለውጢ ይጽውዑ ምህላዎም ዝፍለጥ’ዩ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0