ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኩነታት ንኽፍታሕ ጻውዒት ቀሪቡ

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኩነታት ንኽፍታሕ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: January 27, 2014

 

Eri Ethio

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዘሎ ዘይተፈትሐ ጉዳይ ዶብ መኸተምታ ንምግባር፣ ክልቲኤን ሃገራት ንኽቐራረባ፣ ሓያሎ ዲፕሎማሰኛታት ኣመሪካ ከምዝጸውዑ ይግለጽ ኣሎ።

እቶም በብእዋኑ ነዚ ጻውዒት ዘቕረቡ ዲፕሎማሰኛታት፣ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ነበረ፣ ዳቪድ ሺን፣ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ናይጀርያን ደቡብ ኣፍሪቃን ፕሪንስተን ሊማን ከምኡ ድማ ምኽትል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዞባ ኣፍሪቃ ሀርማን ኮሀን ኮይኖም፣ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ክምለስ’ዮም ሓቲቶም።

 

ኣመሪካ፣ ኣብ ምምላስ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን እወታዊ ኣበርክቶ ክትጻወት’ውን ዘቕረብዎ ምሕጽንታ’ውን ኣብ ዘ ኢኮነሚስት ተጠቒሱ ይርከብ።

ኣዚ ናይ ዘተ ሓሳብን ምምሕያሽ ዝምድናን ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይካ በዞም ዲፕሎማሰኛታት ኣመሪካ ነበረ፣ ብፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር’ውን ከምዝተላዕለ’ዩ ዝሕበር።

ኣልበሽር፣ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኣስታት 16 ዓመታት ዘሎ ዘይተፈትሀ ጉዳይ ዶብን ምፍጣጥን ንምሽምጋል ክልተ እዋን ተበግሶ ከምዝወሰደ፣ ፖለቲካዊ ምንጭታት እታ ሃገር እኳ እንተሓበሩ፣ ካብ ኤርትራ ይኩን ካብ ኢትዮጵያ ዝኾነ ምላሽ ኣይተዋህቦን።

ነዚ ብዲፕሎማሰኛታት ኣመሪካ ነበር ቀሪቡ ዘሎ ጻውዒት’ውን ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ይኹን ካብ መንግስታት ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ምላሽ ኣይተዋህቦን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ናብ መኣዲ ዘተ ቅድሚ ምቕራብና፣ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ኢትዮጵያ ካብቲ ሒዛቶ ዘላ ባድመ ዝርከቦ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብ ኣለዋ ክብል እንከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፣ ሰራዊቱ ቅድሚ ምስሓቡ፣ ምስ መነግስቲ ኤርትራ ቅድመ ኩነታዊ ቀጥታዊ ዝርርብ ክካየድ’ዩ ዝጠልብ።

ኢትዮጵያ ነቲ ቀይዳን ናይ መወዳእትን ውሳነ ብይን ኮሚሽን ዶብ ተቐቢላ ከተብቕዕ፣ ምምልካትን ምሕንጻጽን ዶብ ንኸይትግበር ምሕንጋዳ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ፣ መመሳመሲ ንኹሉ ነገር ኮይንዎ ይርከብ።
=========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0