ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግፋ፣ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ግዳያት ይኾኑ ኣለዉ

ፖሊስ ስዑዲ ዓረብ፣ ዘይሕጋውያን ወጻእተኛታት ንምህዳን ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ጽዑቕ ግፋ ሓደ ኤርትራዊ ከምዝተቐትለ ንጋዜጣ ኦካዝ ብምጥቃስ ምንጭታትና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ብዛዕባ’ቲ ተቐቲሉ ዝብሃል ዘሎ ኤርትራዊ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ክርከብ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ፖሊስ ስዑዲ ዓረብ ዘይሕጋውያን ወጻእተኛታት ንዝበልዎም ዜጋታት ሓያሎ ሃገራት ንምግፋፍ ጎነጽ ይጥቐሙ ብምህላዎም ተቐቲሉ ክኽውን ከምዝኽእል ይግመት።

 

ኣቐዲሙ’ውን ሓደ ኢትዮጵያ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ደቡባዊ ከተማ ሪያድ ከምዝተቐትለ ማዕከን ዜና ኣራብ ኒውስ ሓቢሩ።

እቲ ስሙ ዘይጠቐሶ ኢትዮጵያ ንጠበንጃ ናይቶም ዝገፉ ዝነበሩ ስዑዳውያን ፖሊስ ክምንዝዕ ኣብ ዝፈተነሉ ከምእተቐትለ ኣፈኛ ፖሊስ ሪያድ ብርጋዴር ናስር ቢን ስዒድ ኣልቓሕታኒ ይገልጽ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ርያድ ጥራይ ኣስታት 12 ሽሕ ዘይሕጋውያን ወጻእተኛታት ክግፈፉ እንከለዉ ኣብ ጅዳ ድማ መብዛሕቶም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያንን ዝርከብዎም ኣስታት 13 ሽሕ ዜጋታት 14 ሃገራት ተገፊፎም ምህላዎም ሰበ ስልጣን ፖሊስ ኣፍሊጦም።

እዚ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዘሎ ኩነታትን ፖሊስ እታ ሃገር ዝጥቐምሉ ዘለዉ ኣገባብ ግፋን ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ከቢድ ራዕድን ስምባደን ፈጢሩ ምህላዉ ዝሓበሩ ዝተፈላለዩ ወገናት፣ ብፍላይ ኤርትራውያን ዘለዎም ሻቕሎት ልዕሊ ካልኦት ዜጋታት ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ናብ ኤርትራ ከይጥረዙ ዘለዎም ሻቕሎት ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዛየደ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን’ውን ከም ናይ ሶርያውያን ሕድገት ክግበረሎም ኩሉ ኤርትራዊ ጻውዒት ከቕርብ ይምሕጸኑ።

እዚ ናይ ስዑዲ ዓረብ ኩነታት ነቶም ኣብታ ሃገር ንሓያሎ ዓመታት ክሰርሑ ዝጸንሑ ኣማኢት ኣሽሓት ወጻእተኛታት ቁጠዐ ፈጢርሎም ብምህላዉ’ውን ሓደ ፓኪስታናዊ ዘለዎ ተቓውሞ ንምርኣይ፣ ኣብ ገዛእ ርእሱ ነዳዲ ብምኽዓው ኣብ ማእከል ጎደና ብሓቒ ከምእተቓጸለ ንዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ብምውካስ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ዝልኣኹልና ሓበሬታ የመልክት።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ግፋ፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያንን ኢትዮጳውያንን ዝኾኑ መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ርስሓት ዝጸርጋ ቦጣ ማለት ሸፋጣ፣ ተሓቢኦም ብምህላዎም፣ እተን ቦጣት ኣብ መካ ኣብ ጎደናታት ብብዝሒ ደው ኢለን ከምዘለዋ ኣልምዋጠን ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

እቲ ናይ ቋንቋ ዓረብ ማዕከን ዜና ኣቕሪብ ብዘሎ ጸብጻብ፣ ኣብ ማካ ዝበዝሑ ርስሓት ዝጸርጋ ቦጣት ዝመርሑ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን’ዮም።

ከም ዝፍለጥ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓደ ካብቲ ዕዉት ዝብሃል ማሕበር ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ከምዘቖሙ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ድሕሪ ኵናት ኤርትራ ኢትዮጵያን፣ ግና እቲ ኣብ ቁጠባን ማሕበራዊ ጉዳያትን ዘተኩር ዝነበረ ምትሕግጋዝ ብምትእትታው ኤምባሲ ኤርትራን ህግደፍን ፖለቲካዊ መልክዕ ሒዙ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝኣተወ ኣብ ሬድዮ ኤረና ብዝርዝር ከምእተገልጸ ኣይርሳዕን።
==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0